ምምላስ ተመዛበልትን ምውሓስ ግዝኣታዊ ሓድነትን፣ ሕቶ ጉድኣት ኲናት ትግራይ፣ ኣብ ዝረአዩ ዘለው ብልሽውናን ካልኦት ቀንዲ ትኹረት የድልዮም ኣብ ዝበሎም ጉዳያት እቲ ውድብ መግለፂ ሂቡ ኣሎ።
ተመዛበልቲ ወገናት ናብ መረበቶም ክምለሱ ዘካየድዎ ሰልፊ ዛጊድ ግብራዊ መልሲ ኣይረኸበን ከም ውፅኢቱ ድማ ምስ ምእታው ክራማት ተኣሳሲሩ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ወዲቖም ይርከቡ ኢሉ።
ናብ ዋጋ ዕዳጋ ዝኣቱ ሽራፍ መሬት ትግራይ የለን ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ክረጋገፅ ይግባእ ክብል ፃውዒቱ ዘቕረበ ውናት ተመዛበልቲ ወገናት ሕቶኦም ክሳብ ግቡእ መልሲ ዝረክብ ድምፆም ከስምዑ ፀዊዑ።
ሕቶ ጉድኣት ኲናት ትግራይ ቅኑዕ እዩ ክብል ዝገለፀ ውናት ፍትሓውን ኣግባብ ዘለዎን ሕቶ ጉድኣት ኲናት ትግራይ ኣድላይ ዘበለ ኩሉ ክግበረሎም ከምዝግባእ እውን ገሊፁ።
ውራ መሬት፣ ማሃያ ሰራሕተኛታት መንግስቲ፣ ድምፂ ጡረተኛታት ዛዕባ ዘመናዊ ድኹዒን ካልኦት ፍሉይ ጠመተ ክወሃቦም ይግባእ ክብል ውናት ኣብ መግለፂኡ ዘልዐሎም ዛዕባታት እዮም።
