Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ግብጺ ንማሕበር ሃገራት ዓረብ ብምጥቃም ጸቕጢ ትፈጥር ኣላ ክትብል ኢትዮጵያ ከሲሳ

ግብጺ ንማሕበር ሃገራት ዓረብ ተጠቂማ ጸቕጢ ንምፍጣር ትፍትን ምህላዋ ኢትዮጵያ ከሲሳ

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ግብጺ ንማሕበር ሃገራት ዓረብ ተጠቂማ ኣብ ልዕሊ ሃገሩ ጸቕጢ ንምፍጣር እትገብሮ ጻዕሪ፡ ንመትከላት ስምምዕ ኣጠቓቕማ ኣጠቓቕማ ማይ ፈለግ ኣባይ ዝጥሕስ’ዩ ክብል ከሲሱ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፡ ትማሊ ሶኑይ ግንቦት 14/2015 ኣቆጻጽራ ግእዝ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ነዚ ኣገባብ ግብጺ “ቅንዕና ዘይብሉ” ክብል ነቒፍዎ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ቤት ምኽሪ ማሕበር ሃገራት ዓረብ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ኣጠቓቕማ ማይ ፈለግ ኣባይን ዓብዪ ግድብ ህዳሴን ትወስዶ ካብ ዘላ “በይነኣዊ” ዝበሎ ስጉምቲ ክቑጠብ ውሳነ ኣመሓላሊፉ ኔሩ።

መራሕቲ ሃገራት ዓረብ ብ11 ግንቦት ዘሕለፍዎ ውሳነ፡ ግብጺ ንዓቢይ ግድብ ህዳሰ ብዝምልከት እትገብሮ፡ ተጻባዒ ዝበሎ ስጉምታት ዘጋውሐ ምዃኑ’ውን እቲ መግለጺ ሓቢሩ።

ነቲ ጉዳይ ብሰላማዊ ዘተ መፍትሒ ንምርካብ ጻዕርታት ንዘካይዱ ዘለው ኣፍሪቃዊ ሕብረትን ኣባላ ሃገራትን ዘነኣእስ ምዃኑውን ጠቒሱ።

መራሕቲ ማሕበር ሃገራት ዓረብ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ጅዳ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዘካየድዎ ዋዕላ’ዮም፡ ኣብ ጉዳያት ግድብ ህዳሰን ካልእን ውሳነ ኣሕሊፎም።

እቲ ማሕበር፡ “ድሕነት ማይ ግብጽን ሱዳንን ኣካል ድሕነት ማይ ዓረብ እዩ” ብምባል፡ ንመሰል እተን ሃገራት ኣብ ሩባ ኣባይ ዝጸሉ ዝኾነ ይኹን ስጉምቲ ነጺጉ።

ሓባራዊ ምርድዳእ ከይተበጽሐ፡ ምምላእ ማይን ስራሓትን እቲ ግድብ ምቕጻል “ሓደገኛ” ምዃኑ ዝገለጸ ውሳነ እቲ ማሕበር፡ “ኣንጻር ኣህጉራዊ ሕግን ስርዓታትን ዝጻረርን ንረብሓታት ማይ ግብጽን ሱዳንን ዝጎድእን” ክብል ገሊጽዎ።

ኢትዮጵያ ብኣንጻሩ ህንጸትን ምምላእ ማይን ግድብ ህዳሰ፡ ብመሰረት፡ ኣብ 2015 ሰለስቲአን ሃገራት ዝበጽሕኦ ስምምዕ ምዃኑ ገሊጻ።

ብዛዕባ መጠን ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰ ብዝምልከት ክኢላታት ሰለስቲአን ሃገራት ኣብ ስምምዕ ከምዝበጽሑ’ውን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣብ መግለጺኡ ኣረዲኡ።

ብዘይካ እዚ፡ ኢትዮጵያ “ንስክፍታታት ግብጽን ሱዳንን ንምእላይ ካብ መስመራ ወጺኣ ትሰርሕ ምህላዋ” ሓቢሩ።

ምስዚ ተተሓሒዙ “ኢትዮጵያ ውልቃዊ ስጉምቲ ትወስድ ኣላ” ዝብል ክሲ “ኮነ ኢልካ ዝተዛብዐ” ምዃኑ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመልኪቱ።

ኢትዮጵያ ኣብ ግድብ ህዳሰ ሓዊሱ ኣብ ክልተኣዊ ጉዳያት ምስ ሱዳንን ግብጽን ብቐረባ ክትሰርሕ ምዃናን ነተን “ግብጺ ነቲ ጉዳይ ንምብእኣስ እትገብሮ ዘላ ጻዕሪ” ብምቅዋም ዘጠንቀቓ ኣባል ሃገራት እቲ ማሕበር’ውን ከምዘመስግን ገሊጹ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ፡ ኣባላት እቲ ማሕበር ብፍላይ ድማ ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣፍሪቃ “ንገዛእ ርእሰን ካብቲ ውሳነ ከም ዘግልላ” ሓቢሩ።

ዓሰርተ ዓመታት ኣቍጺሩ ዘሎ ህንጸት ዓቢይ ግድብ ህዳሰ፡ ናብ ምዝዛም ቐሪቡ እኳ እንተሎ፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፡ ሱዳንን ግብጽን ጠንቂ ምስሕሓብ ኮይኑ ኣሎ።

ግብጺ እቲ ካብ ፈለግ ኒል እትረኽቦ መጠን ማይ ክጎድል እዩ ብዝብል ስግኣት እያ ንህንጸት እቲ ግድብ ብትሪ እትቃወም። 85 ሚእታዊ መጠን ማይ እቲ ፈለግ ካብቲ ካብ ኢትዮጵያ ዝፈስስ ፈለግ ኣባይ እዩ ዝምንጩ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *