Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ግልጋሎት ምዘናን ፈተናን ትምህርቲ ሓዱሽ ኣሰራርሓ ናብ ስራሕ ከምዘተኣታተወ ኣፍሊጡ

ግልጋሎት ምዘናን ፈተናን ትምህርቲ ንተገልገልቲ ሓዱሽ ኣሰራርሓ ናብ ስራሕ ከምዘተኣታተወ ኣፍሊጡ።

ብመርበብ ሓበሬታ ኣቢሉ መረዳእታ ትምህርቲ ምፅራይ፣ መረዳእታ ትምህርቲ ንካልኦት ትካላት ምልኣኽ፣ ዳግም መረዳእታ ትምህርቲ ምውሳድን፣ መረዳእታ ትምህርቲ ምርግጋፅ ኣብ እዋን ምዝገባ ዘጋጥም ጉድለት ፊደላት ሽም ምስትኽኻል ከምዝከኣል ዋና ዳይሬክተር እቲ ግልጋሎት እሸቱ ከበደ (ዶ/ር) ተዛሪቦም።

እቲ ግልጋሎት ንምርካብ ተገልገልቲ ብቴሌ ብርን ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያን ኣቢሎም ክፍሊት ክፍፅሙ ከምዘለዎም ተሓቢሩ፡፡

ድሕሪ ሕዚ ኣብ መላ ሃገር ኣብ ዝርከቡ ጨንፈራት ግልጋሎት ፖስታ ኢትዮጵያን ብብርኪ ዓለም ን180 ሃገራት፣ ብኣካል ከምኡ እውን ብውክልና ክረኽቡ ከምዝኽእሉ ተገሊፁ።

እቲ ግልጋሎት መርበብ ሓበሬታ ተገልገልቲ ካብ ምንግልታዕ ከምዘድሕን ተሓቢሩ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *