Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ጋናዊ ካህን 63 ዓመት ዝዕድሚኡ ንጓል 12 ዓመት ህጻን ብምምርዓው ቁጥዐ ኣለዓዒሉ

63 ዓመት ዝዕድሚኡ ጸላዊ ካህን ንጓል 12 ዓመት ህጻን ብምምርዓው ቁጥዐ ኣለዓዒሉ።

ጋናዊ ካህን ኑሞ ቦርከተይ ላዌህ ትሱሩ ብቐዳም ኣብ ዝተኻየደ ልሙድ ባህላዊ ስርዓት ነታ ቆልዓ ከምዝተመርዓዋ ተፈሊጡ። ሰፊሕ ነቐፌታታት ከኣ ይስማዕ ኣሎ።

መራሕቲ ማሕበረሰብ ሰብ ግን፡ ነቐፌታታት ኣብ ዝቐርበሉ ዘሎ እዋን፡ ሰባት ንልምዶምን ባህሎምን ከምዘይርድኡሎም ገሊጾም።

ኣብ ጋና ዝተሓተ ዕድመ መርዓ 18 ዓመት ኮይኑ፡ ዝርገሐ መርዓ ህጻናት ይንክይ’ኳ እንተሃለወ ተርእዮታት ግን ይቕጽል ኣሎ።

ዓለምለኻዊ ጎስጓስ ዝገብር ዘይመንግስታዊ ትካል ‘ገርልስ ኖት ብራይድስ’ [‘Girls Not Brides’] ከምዘመልክቶ፡ ኣብታ ሃገር 19 ሚኢታዊት ኣዋልድ ዕድሚኤን 18 ዓመት ቅድሚ ምምላአን ዝምርዓዋ እንትኾና 5 ሚኢታዊት ድማ ትሕቲ 15 ዓመተን እየን ዝምርዓዋ።

ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ኣባላት ማሕበረሰብ ዝተሳተፉሉ ብቐዳም ዝተኻየደ መርዓ ዘርእዩ ቪድዮታትን ስእልታትን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብሰፊሑ ድሕሪ ምዝርግሖም ብዙሓት ጋናውያን ቁጠዐኦም ኣብ ምግላፅ ይርከቡ።

ኣብቲ ስርዓተ-መርዓ፡ ገለ ደቂ ኣንስትዮ እታ ቆልዓ ንሰብኣያ ዝስሕብ ክዳን ክትክደን ብቋንቋ እቲ ከባቢ ክዛረብኣ ተራእየን።

ከምኡ’ውን ንናይ ሰበይቲ ስራሕ ክትዳሎን ነቲ ብህያብ ዝመፅኣላ ሽቶታት ንሰብኣያ ጾታዊ ድሌት ንምዕባይ ክትጥቀመሉን ክመኽርኣ ይስምዓ።

ነቐፍቲ፡ ሰብመዚ ነቲ ሓዳር ከፍርስዎን ነቲ ቀሺ ክምርምሩን ጸዊዖም ኣለዉ።

እታ ጓልን እቲ ካህንን ዝውለዱሎም ማሕበረሰብ ደቀባት ኑንጉዋ ግን፡ እቲ ህዝቢ ኣብቲ ሓዳር ዘስምዖ ተቓውሞ ብምኹናን እቲ ነቐፌታ “ካብ ድንቁርና ዝመጸ’ዩ” ክብሉ ገሊጾም።

መራሒ ማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ኒ ቦርተይ ኮፊ ፍራንክዋ ዳግማዊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እታ ጓል ከም በዓልቲ ቤት እቲ ካህን እትጻወቶ ተራ “ጽሩይ ትውፊትን ልምድን” ምዃኑ ሓቢሩ’ሎ።

ወሲኹ ድማ እታ ጓል በዓልቲ ቤት እቲ ካህን ንምዃን ዘኽእላ ስርዓት ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመት ጀሚራቶ እኳ እንተነበረት እቲ መስርሕ ግን ኣብ ትምህርታ ዕንቅፋት ከምዘይነበሮ ተዛሪቡ።

እታ ቆልዓ ነቲ ሓድሽ ተራ በዓልቲ ቤት ሊቀ ካህናት እትበቕዕ ንጽህቲ ክትኸውን ዘኽእላ ካልኣይ ልምዳዊ ስነ-ስርዓት ክትፍጽም ትጽቢት ይግበር። እቲ ስነ-ስርዓት ንኸም ምውላድ ዝኣመሰሉ ናይ ሓዳር ሓላፍነታት እውን ከም ዘዳልዋ ማዕከናት ዜና ውሽጢ ዓዲ ሓቢረን።

ሰብመዚ መንግስቲ ጋና ነቲ ኣካታዒ ሓዳር ብዝምለከት ዛጊት ዝበልዎ ነገር የለን።

ሕጊ ጋና ንባህላዊ መርዓ ኣፍልጦ ዝህብ እኳ እንተኾነ፡ ብጉልባብ ባህሊ ወይ ልምዲ ግን መርዓ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ምፍጻም ኣይፈቅድን።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *