ብፕረዚደንት ጊዝያዊ ምምሕዳ ትግራይ ኣይተ ጌታቸዉ ረዳ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ በህርዳር ኣትዩ።
እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ደጃዝማች በላይ ዘለቀ ባህር ዳር እንትኣቱ ብርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ዶ/ር ይልቃል ከፋለን ላዕለዎት ኣመራርሓ እቲ ክልልን ኣቀባብላ ተገይርሉ።
እቲ ብፕሬዚዳንት ጌታቸው ረዳ ዝተመረሐ ልኡኽ ጉጅለ ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይ ኣብ ባህርዳር ኣብ ዝህልዎ ፃንሒት ምስ ፕረዚደንት ክልል ኣምሓራ ዶ/ር ይልቃል ከፋለን ላዕለዎት ኣመራርሓ እቲ ክልልን ኣብ ዙርያ ”ሓይሊታት ኣምሓራ ወሪሮም ካብ ዝሓዝዎ ደቡብ፣ምዕራብን ሰሜን ምዕራብን ትግራይ ለቒቖም ኣብ ዝወፁሉ፣ተመዛበልቲ ትግራይ ናብ መረበቶም ኣብ ዝምለሱሉን ሰላማዊ ርክብ ህዝብታት ትግራይን ኣምሓራን ናብ ንቡር ንምምላስን ኣብ ዝጅምርሉን ብሓፈሻ ድማ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ናብ ተግባራዊ ስራሕ ዝእተወሉን” ጉዳያት ኣልዒሎም ክዝትዩ ትፅቢት ይግበር።
ትግቲቪ
