Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ጉዳይ ፆታዊ መጥቃዕቲ ዝበፅሐን ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብዝተፈፀመ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ብወረርቲ ሓይልታት ፆታዊ መጥቃዕቲ በፂሕወን ንዝተፈለለዩ ሕማማት፣ ኣካላዊን ስነ-ልቦናውን መጉዳእቲ፣ ማሕበረ-ቁጠባዊ ፀገማት ተቓልዐን ዝርከባ ደቂ አንስትዮ ትግራይ ንምሕዋይ መንግስታዊን ዘይመንግስታዊን ትካላት ብዕቱብ ክሰርሐሉ ስቲሪንግ ኮሚቴ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ፀዊዓ።

እታ ኮሚቴ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ኣጋጢምወን ካብ ዘሎ ኩለ-መዳያዊ ማህሰይቲ ቀልጢፈን ክሓውያን ናብ ማሕበረሰበን ተሓዊሰን ናብረአን ክመርሓን ኣብ ምንታይ ኣድሂብካ ክስራሕ ይግባእ ዝብል መድረኽ ምስ ዝተፈላለዩ ኣመራርሓ ኣብያተ ዕዮ መድረኽ ኣሳሊጣ።

ብፍላይ ድማ ምስ ምጅማር ትምህርቲ ተተሓሒዙ ፆታዊ መጥቃዕቲ ዝበፅሐን ህፃናትን መምህራንን ትኹረት ክግበረለን ከምዝግባ ኣብቲ ዘተ ተገሊፁ።

እተን በቶም ጨቃናት ወረርቲ ሓይልታት ብዘስካሕክሕ ፆታዊ መጥቃዕቲ ዝበፅሐን ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ፍትሒ ንክረኽባ ድማ ኩሉ ግድኡ ክፍፅም ከም ዝግባእ ተሓቢሩ።



ምንጭ፡ ትግቲቢ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *