መንግስቲ ዓባይ ብሪታንያ ኣብ ትግራይ ዝተፈፀሙ ገበናትን ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላትን ተሓታትነት ክረጋገፅ ከምዝሰርሕን ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ንዝተጣየሸ ዘይሻራዊ ጉጅለ መፃረይ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኢትዯጵያ ልኡኽትኡ ንክፍፅም ደገፍ ከምዝገብር ዳግም ኣረጋጊፁ ።
ኣብ ፓርላማ ዓዲ እንግሊዝ ተወካሊ መንግስትን ሚንስትር ልምዓትን ኮመን ዌልዝን ሎርድ ኣሕመድ ታሪቕ ኣብ ፓርላማ እታ ሃገር ተወካሊ ሊቨርፑል ብዝኾኑ ሎርድ ዳቪድ ኣልቶን ንዘቕረብዎ ሕቶ ብፅሑፍ ኣብ ዝሃብዎ ምላሽ ከምዘረጋገፅዎ ኣብ ኢትዮጵያ ሕዚ ተጀሚሩ ዘሎ መስርሕ ሰላም ንክፀንዕ ተሓታትነት ምንጋስ ወሳኒ እዩ ኢላ ሃገሮም ከምትኣምን ኣረጋጊፆም።
እቲ ካልእ ብሎርድ ኣልቶን ንመንግስቲ እንግሊዝ ዝቐረበ ሕቶ ኣብ ትግራይ ብዝተኻየደ ኲናት ስዒቡ ዝበፅሐ ዕንወት ዳግም ኣብ ምህናፅ ክግበር ብዛዕባ ዝግብኦ ጥምረትን ግደ መንግስቲ እንግሊዝን ኣመልኪቱ መብርሂ ክወሃበሉ ዝሓተተ እዩ።
እንግሊዝ ዛጊድ ንኢትዮጵያ ልዕሊ 400 ሚልዩን ፓውንድ ብመልክዕ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዝሃበት ፣እዚ ድማ ነቲ ኩነታት ኣብ ግምት ዘእተወ እዩ ዝብል ምላሽ ዝሃቡ ሎርድ ታሪቕ ኣሕመድ ብፍላይ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ኲናት ስዒቡ ግዳይ ፆታዊ መጥቃዕቲ ዝበፅሐን ወገናት ኣብ ምድጋፍ ሃገሮም ከምትነጥፍ ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ምጥንኻር ሰላም ሓለዎ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዘድሃቡ ጉዳያት ደገፍ ከምትህብ ገሊፆም።
ብሰንኪ ምቁራፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ትግራይ ልዕሊ 700 ወገናት ሂወቶ ከምዝሰኣኑ ዝተሓተቱ ኣብ ፓርላማ እንግሊዝ ተወካሊ መንግስቲ ሎርድ ኣሕመድ እዚ ጉዳይ ብጣዕሚ ዘጨናንቕ ዋኒን እዩ ፤ምፅራይ ተፈፂሙ ዝተብሃለ ስርቂ ሰብኣዊ ሓገዝ ክቀላጠፍ ሃገሮም ከምትደፋኣሉን ሃገሮም ናብ ትግራይ ኢሉውን ናብ ካልኦት ከባቢታት ኢትዮጵያ ትህቦ ሓገዝ ኣጠናኺራ ከምትቕፅለሉን ሓቢሮም።
ኣብ ትግራይ ብዝተኻየደ ኲናት ዝበፅሐ ዕንወትን ዘስዓቦ ህልቂትን ብጣዕሚ ዘደንፁ እዩ ዝበሉ ኣብ ፓርላማ ዓባይ ብሪታንያ ተወካሊ መንግስቲ ሎርድ ኣሕመድ ታሪቕ ትኽክለኛ ምስሊ እቲ ኲናት ሳዕቤናቱን ብዝግባእ ክፍለጥን ክስነድን ዘድሊ ሓገዝ ንምግባርን ተሓታትነት ኣብ ምርግጋፅ ወሳንነት ከም ዘለዎ ገሊፆም ።
