ኣብ ኢትዮጵያ ዝርአ ዘሎ ኣዝዩ ዓሟቕ ምጥፍፋእ ሰብኣዊ ሓገዝ ብሓባር ንምክልኻል ዘለዎም ድልውነት ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያን ዩኤስ አይድን(USAID) ብጥምረት ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ ከምዘረጋገፁ ቤት ፅሕፈት ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
እቲ ኤምባሲ ኣብ ዕላዊ መርበብ ሓበሬትኡ ከምዘፍለጦ ተሓታትነት ንምርግጋፅ እዞም ክልተ ኣካላት ኣብዚ ጉዳይ ምርመራ የካይዱ ከምዘለውን ውፅኢታዊ ብዝኾነ ኣገባብ ካብ ጉሕለት ነፃ ብዝኾነ መንገዲ ሓገዝ ናብ ተጠቀምቲ ክበፅሕ ሓቢሮም ንምስራሕ ድልውነነቶም ኣረጋጊፆም ኣለው።
መንግስቲ ኣሜሪካን ኢትዮጵያን ንረብሓ ህዝቢ ክልቲኡ ሃገራት ክብሉ ብጥምረት ይሰርሑ ምህላዎምን መንግስቲ ኣሜሪካ ሓበራዊ ረብሓ ክልቲኤን ሃገራት ብዘጎልብትን ርክባተን ብዘጠናኽርን መንገዲ ስራሕቱ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል እቲ ኤምባሲ ኣፍሊጡ።

t
