ጉባኤ ሃይማኖት ትካላት ትግራይ ውሳነ ምቁራፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ክመሓይሽ ፀዊዖ።
ጉባኤ ሃይማኖት ትካላት ትግራይ ብትካላት ወሃብቲ ሓገዝ ንዝተወሰደ ውሳነ ምቁራፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣመልኪቱ ሎሚ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ነቲ ተፈጢሩ ዝተብሃለ ምጥፍፋእን ስርቅን ብምኹናን ምውጋዝን ነዚ ኢ ሰነ ምግባራዊ ፍፃመ ተፃርዩ ፍትሒን ተሓታትነትን ንምርግጋፅ ኣብ ዝግበር ምንቅስቓስ ሓጋዛይ ከም ዝኸውን ኣረጋጊጹ ኣሎ።
ይኹን እምበር ህዝቢ ትግራይ ብሰንኪ እቲ ኩናት ኣብ ኣዝዩ ዘሕዝን ጥሜትን ሕማምን ተሳቕዩ እናሞተን፣ ንልመና ተሳጢሑ እናሃለወ ኣብ ክንዲ ካሊእ ተወሳኺ ሓገዝ ምሃብ ምቁራፅ ዘይተፀበናዩ እዩ ክብል ገሊፁ።
ካብዚ ብተወሳኺ ነቶም ክሳብ ሕዚ ናብ መረበቶም ዘይተመለሱ ወገናትን ኣብ ሕሰም መነባብሮ ወዲቆም ዘለዎ ተፈናቐልቲ ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ ንብረቱን ሂወቱን እናበፅሕዎ ዝመፁን ዘለውን መግለፂ ዘይብሎም ግፍዕታት ተፃዊሩ፣ ብፅባሕ ሎሚ ክወግሕ እዩ ብዝብል ተስፋ ገይሩ ናብ ዝሓሸ መነባብሮኡ ንክምለስን ማሕበረሰብ ዓለም ክረባረብ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ትግራይን ካልኦት ትካላትን ብተደጋጋሚ ፃዊዒት ሂወት ነድሕን እናቐረብና ኣብ ዘለናሉ እዋን ውሳነ ምቁራፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ንህዝቢ ትግራይ በምስማዕና ሓዚና ኢሉ ንድምፂ ወያነ ኣብ ዝለኣኾ መግለፂ።
ብምዃኑ ድማ ናብ ትግራይ ዝኣትው ዝነበረ ሰብኣዊ ሓገዝ ምቁራፅ ምውሳኑ ዘይሓወየ በሰላ ቁስሉ ካብ ምጉዳእ ንላዕሊ ናይ ሞት ፍርዲ እዩ ዝበለ እቲ ጉባኤ ትካል ምግቢ ዓለም ሕዚ እውን ህዝብና ካብ ፀገም ስለዘይተላቐቐ ሓገዙ ክቕፅለሉ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ትግራይ ልባዊ ፃውዒት ነቕርብ ኢሉ።

