Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ገንዘባዊ ሓገዝ ንስድራ ስውኣት ሰራሕተኛታት ባንኪ ኣንበሳ

ሰራሕትኛታት ባንኪ ኣንበሳ ንስድራ ዝተስውኡ ሰራሕተኛታት እቲ ባንኪ ልዕሊ 1.5 ሚልዮን ብር ደበስ ኣበርኪቶም።

ኣብ መላእ ትግራይ ዝርከቡ ሰራሕትኛታት ባንኪ ኣንበሳ ካብ ደመወዞም 5 ሚእታዊ ብምውፃእ ንስድራ እቶም ጀኖሳይዳዊ ወራር ንምምካት ኣብ ዝተኻይደ ቃልሲ ዝተሰዉኡ ስራሕትኛታት እቲ ባንኪ ናይ 1.5 ብር ደበስ ሂቦም።

ስድራ ሰማእታት ብዘላቂ ክሕገዙ ይግባእ ዝበሉ ምክትል ፕረዚደንት ባንኪ እንበሳ ሪጅን ሰሜን ኣይተ ኣክሊሉ ሓየሎም ስድራ ዝተሰውኡ ሰራሕተኛታት ኣብቲ ትካል ብምቁፃርን ካልእ ኣማራፂ ብምጥቃምን ዝሕገዝሉ ዕድል ክመቻቾ እዩ ኢሎም ።

ሰራሕትኛታት ባንኪ ኣንበሳ ንስድራ ዝተስውኡ መሳርሕቶም ንምሕጋዝ ዝገበርዎ ድጋፍ ዝምስገን እዩ ዝብሉ ተሓገዝቲ ስድራ ስውኣት ብወገኖም ንስድራ እቲ ምእንተ ክብሪ ህዝቡን ዓዱን መስዋእቲ ዝኸፈለ ጀግና ንምሓጋዝ ኩሉ ክረባረብ ይግባእ ኢሎም ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *