Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ጆኖሳይድ

ኮሚሽን መፅናዕቲ ጄኖሳይድ ትግራይ ከካይዶ ዝፀንሐ መፅናዕቲን ዳህሳሳትን ንህዝቢ ዓለም ዕላዊ ከም ዝገብር ኣፍሊጡ።

እቲ ኮሚሽን ነዚ ዘፍለጠ ሎሚ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለፂ እዩ።

ኮሚሽን መፅናዕቲ ጄኖሳይድ ትግራይ ቅድም ክብል ኣብ ማሕበረ-ቁጠባዊ ዘድሃበ ዝተፈላለዩ ፀብፃባትን ኬዛትን ናብ ትካላት ክልእኽ ከምዝፀነሐ ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን የማነ ዘርኣይ ሓቢሮም።

እቲ ሕዚ ዝወፅእ ዘሎ ፀብፀብ ን 3 ዓመታት ክስነድን ክድህሰስን ዝፀንሐ ኣብ 6 ዓውድታት ማለት ውን ኣብ ማሕበራዊ፣ መሰረተ-ልምዓት፣ሃፍቲ ተፈጥሮን ከባቢን፣ ቁጠባ ፣ ፆታዊ-መጥቃዕቲን መንግስታዊን ዘድሃቡ 22 ፀብፃባት ብቋንቋ ኢንግሊዝኛ ንመላእ ህዝቢ ዓለም ዕላዊ ከምዝግበር ኮሚሽነር የማነ ዘርኣይ ተዛሪቦም።

ኣብ ፆታዊ መጥቃዕቲ ብዝተገበሩ ሰፊሕ መፅናዕቲ ህዝቢ ትግራይ ገበን ኵናት ፣ገበን ሰብኣዊነትን ጄኖሳይድን ከም ዝተፈፀሞ ንምርግጋፅ ከም ዝተኽኣለ ኮሚሽነር የማነ ሓቢሮም።

ኮሚሽነር የማነ ካብዚ ብተወሳኺ ቅድሚ ክልተ ወርሒ ኣብ ተመዛበልቲ ዘድሃበ ፀብፃብ ዕላዊ ኮይኑ ከምዝፀንሐን ኣብ ዝቕፅል 2 ኣዋርሕ ድማ ኣብ ሰብኣዊነት ዝበፅሐ ዕንወት ዕላዊ ክግበር እዩ ኢሎም።

ገበን ጄኖሳይድ ካብ ኣብ ውሽጢ ትግራይን ተጋሩን ብተወሳኺ ካብ ትግራይ ወፃኢ ዝነበሩ ተጋሩ ብዙሕ ግፍዕታት ከምዝበፅሐ መረዳእታታት ከምዝበፅሖን ብሰፊሑ ከፅንዖ ከምዝደልን ውን ኣመላኺቱ ኣሎ።

ሕዚ እውን እቲ መፅናዕቲን ዳህሳስን ገና ዘይተዛዘመን ምዃኑን ሓራ ኣብ ዘይወፅኣ ከባብታት ትግራይ ድማ ገና ዘይተረአየን ዘይተዳህሰሰን ምዃኑ ኮሚሽነር የማነ ገሊፆም።

እቲ ሕዚ ዝወፅእ ፀብፃብ መንግስታዊ ኣፍልጦ ዝረኸበ ኾይኑ ነዚ መፅናዕቲን ዳህሳስን ንምክያድ ልዕሊ 1.9 ሚልዮን ምልከታ ከምዝተወሰደ ውን ተገሊፁ ዩ።

እቶም ዝወፁ ፀብፃባት ገበን ጄኖሳይድ ክፍጠር ንዝኽእል ዳግማይ ጥፍኣት ንምክልኻል ክሕግዝ ከምዝኽእል ውን ተመልኪቱ ኣሎ።

ከም ኮሚሽን መፅናዕቲ ጄኖሳይድ ትግራይ ክሳብ ሕዚ ዳግመ ህንፀትን ሕውየትን ተጀሚሩ ኢልና ኣይንድምድምን ዝበሉ ኮሚሽነር የማነ እቲ ዝወፅእ መላእ ህዝቢ ዓለም ክፈልጦን ናብ ተሓታትነት ንምስግጋር ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ኩሉ ሓጋዛይ ክኸውን ድማ ፀዊዖም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *