Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ጀጋኑ ዉጋኣትና ፣

ጀጋኑ ወጉኣት ተጋደልቲ ትግራይ ምሕካምን ግቡእ ክትትል ክረኽቡ ምግባርን ዋኒን መንግስቲ ፣ ገበርቲ ሰናይ ትካላት ኩሉ ትግራዋይን ምኳኑ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌ/ ጀነራል ታደሰ ወረደ ገሊፆም።

እዚ ዝተገለፀ ብምትሕብባር ኮምሽን ሓርበኛታት ትግራይን ማእኸል ጥዕና ሰራዊት ትግራይን ወፍሪ ሕክምና ምንዋሕን ዳግመ ህንፀትን መሓውር ብዕሊ ኣብ ዝተጀመረሉ መድረኽ እዩ።

ህዝቢ ትግራይ ኣብ መዋእል ዘመኑ ህልውናኡን ድሕንነቱን ምውሓስ እናተቓለሰ መስዋእቲ እናኸፈለ መፂኡ እዩ ዝበሉ ፕረዚደንት ታደሰ ወረደ ኣብቲ ዝሓለፈ ፅንተታዊ ኲናት ዝኸፈሎ መስዋእትን መጉዳእትን ግን ብዓይነቱን በዝሑን ከቢድ እዩ ኢሎም።

እቲ ዘኸፍአ ነገር ውጉኣት ክተሐክም ዘይምኽኣል እዩ ብምባል ውዕሊ ፕሪቶሪያ ካብ ዝፍረም ኣስታት ሰለስተ ዓመት ዋላኳ እንተቁፀረ ክሳብ ሐዚ ዝተሰርሐ ግን ኣብዚእቶ ዝበሃል ኣይኮነን ኢሎም።

ፓለቲካዊ ቅልውላው ትግራይ ኣብ ምሕካም ውጉኣት ሓርበኛታት ተጋደልቲ ፀገም ከምዝፈጠረ’ውን ኣመላኺቶም።

ግልጋሎት ሕክምና ዝረኸቡ ውሱናት ተጋደልቲ ምህላዎም ብምሕባር ዝተረፉ ውቁዓት ክሳብ መወዳእታ ዘድልዮም ክትትልን ሕክምናን ምምላእ የድሊ ኢሎም።

ኣዛዚ ማእኸል ጥዕና ሰራዊት ትግራይ ተጋዳላይ ካሕሳይ ኣብርሃ (ወዲ ገቲራ) እቲ ወፍሪ ካብ ሃገረ ህንዲ ናይ ዓፅሚ ሕክምና ፕሮፌሰር ብምምፃእን ኣብ ሃገረ ህንዲ ብሕክምና ዓፅሚ ዝሰልጠኑ ሰለስተ ሰብ ምያ ተጋሩን ዝወሃብ ምዃኑ ብምግላፅ ለይትን ቀትርን ኢልና ነዊሕ ዝተፀበዩ መጥባሕቲ ዘድልዮም ተሓከምቲ ንምሕካም ክንረባረብ ኢና ኢሉ።

ዛጊድ ውጉኣት ወገናት ንምሕካም ኣብ ውሽጥን ወፃእን ዝነብር ህዝብና ከምኡ እውን ገበርቲ ሰናይ ትካላትን መንግስትን ዝገበርዎ ድጋፍ ብምምስጋን ተሪፎምና ዘለው ውጉኣት ቀልጢፎም ክሕከሙ ሓገዞም ከጠናኽሩ ፀዊዑ።

ኮምሽነር ኮምሽን ሓርበኛታት ትግራይ ተጋዳላይ ናስር መምሑር ብወገኑ ጀጋኑ ውቁዓትተጋደልቲ ትግራይ ቅልጡፍ ሕክምና ፣ ክትትል፣ ኣካላዊን ስነልቦናውን ሕውየት የድልዮም ኢሎም።

ሓድነትና ዝጠናኸር ኣብ መሰረታዊ ብሄራዊ ጉዳያት ትግራይ ተስማዕሚዕኻ ሓቢርካ ብምስራሕ ብምኳኑ ምሕካም ውቁዓትና ቁልፊ ብሄራዊ ውራይና እዩ ኢሎም።

መቀለ ሪፓርተር

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *