እቲ ውድብ ኣብ እዋናዊ ኩነታት አድሂቡ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ከም ዝበሎ: መዋፅኦ ትግራይ ባህጊ ወለዶ ትግራይ ዘግህድን ሓድነት ተጋሩ ዘጠናኽርን መንግስቲ ምምስራት እዩ ኢሉ።
ውድብ ናፅነት ትግራይ ካብ ዝምስረት ጀሚሩ ብሔራዊ ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ንምርግጋፅን ኣብ ሓድነት ዝተመስረት ጥምረት ተጋሩ ንክህሉ እናተግሀ መፂኡ እዩ ዝበሉ ኣቦ ወንበር እቲ ውድብ ዶ/ር ደጀን መዝገበ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ኪዳን ተጋሩ ንብሔራዊ ድሕነት ዝብል ጥምረት ምስ መሓዙት ውድባት ብሓባር መስሪትና ኣብ ትግራይ ሓቛፋይ ዝኾነ ጥንኩር መንግስቲ ንክህሉን ንፀገማት ትግራይ ዘላቒ ፍታሕ ንምምፃእ ፃዕሩ የሐይል ከም ዘሎ ኣረዲኦም፡፡
ይኹን እንበር ይብሉ ዶ/ር ደጀን :ኣብዚ ቐረባ ማዓልትታት ኣብ ጉዳይ ሃገርነት ኣመልኪቶም ጄኔራል ፃድቃን ገ/ትንሳኤ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ፡ ንባህጊ ወለዶታት ትግራይ ዝፃረርን ንድሌት ህዝቢ ትግራይ ዘየገናዘበን እዩ ክብሉ ድሕሪ ምግላፅ፡ ህዝቢ ትግራይ ኣካል ህዝቢ ኢ/ያ ከም ዝኾነ እዩ ዝኣምን ድሌቱ እውን ምስ ኢ/ያ ምዃን እዩ ኢሎም ዝተዛረብዎ ክእረምን ኣብ ውልቀ ድሌቶም ተደሪኾም ዝሃብዎ ሓሳብ ስለዝኾነ ኣጥቢቕና ንኹንን ኢሎም፡፡
ብተወሳኺ ድማ ዶ/ር ደጀን ኣብ ዞባታት ደቡብን ደቡብ ምብራቕን ዝተልዓሉ ሕቶታት ዓርሰ ምሕደራ ንድግፍ፡ዓበይቲ ዓዲ ወጀራት ኣብ መንጎ ሓይልታት ፀጥታን ህዝብን ጎንፂ ንከይፍጠር ዝገበርዎ ውሑሉል ኣተኣላልያ ውን ዝለዓለ ናእዳ ኣለና ኢሎም፡፡
ዶ/ር ደጀን ኣብ ውሳነ ውዙፍ መሃያ መማህራን ኣድሂቦም ኣብ ዝሃብዎ ሪኢቶ ድማ፡ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ትግራይ ንትካላዊ መስርሕን ቅዋምን ተደሪኹ ዘሕለፎ ውሳነ ኣዝዩ ዝነኣድን ካልኦት እውን ክስዕብዎ ዝግባእ ተግባር እዩ ምስበሉ፡ብኣንፃሩ ግና ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ነቲ ውሳነ ምንፃጉ ኣግባብነት የብሉን ኢሎም፡፡
ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት እቲ ውድብ ዶ/ር ገብረመድህን ሮምሃ ብግዲኦም፡ ኣብ ወረዳ ቆላ ተንቤን ዘጋጠመ ሓደጋ ጥሜት ብሕብረት ተጋሩ ብቕልጡፍ ክብፀሐሎም ይግባእ ዝበሉ ኾይኖም፡ ኣብ ውሽጢ ዓድን ደገን ዝነብሩ ተጋሩ ህይወት ወገናት ንምድሓን ኢዶም ክሓውስ ንፅውዕ ኢሎም፡፡
