Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ድምፂ ተመዛበልቲ ምዕራብ ትግራይ

ቕድሚ ኽረምቲ ናብ መረበቶም ብቕልጡፍ ክምለሱ ኣብ ከተማ ዓብይ ዓዲ ዝርከቡ ተመዛበልቲ ህፃናትን ኣዴታትን ዞባ ምዕራብ ትግራይ ሓቲቶም።

ወረርቲ ሓይልታት ካብ ትግራይ ክወፅኡን ናብ መረበቶም ክምለሱን ህፃናትን ኣዴታትን ዞባ ምዕራብ ትግራይ ገሊፆም።

ካብ ምዕራብ ትግራይ ዝተመዛበሉ ልዕሊ ሸውዓተ ሽሕ ህፃናት፣ኣዴታትን ካልኦት ወገናትን ኣብ ትካል ገባሪ ሰናይ እምሆይ ፀጋ ከምዘለውን ካብ ዓቕሚ ንላዕሊ እቲ ትካል ኰይኑ ምህላውን ድማ ኣተሓባበርቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ሰላማዊት ማሙን ሃይለ ፀጋይን ሓቢሮም።

ፀገም ተመዛበልቲ ብዘላቕነት ዝፍታሕ ናብ መረበቶም እንትምለሱን ካብ መኣዲ ትምህርቲ ርሒቖም ዘለው ህፃናት ናብ ትምህርቲ እንትኣትውን ምዃኑ እውን እቶም መተሓባበርቲ ገሊፆም።

ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ተመዛበልቲ ህፃናት ኣብ ከተማ ዓብይ ዓዲ ብጥሜት ይሳቐዩን ካብ ትምህርቲ ርሒቖምን ብምህላዎም ብመሰረት ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶርያ ህፁፅ መፍትሒ ክግበረሉ እዉን ኣተሓሳሲቦም።

ተመዛበልቲ ኣዴታት ብግደአን ብሕፅረት ምግብን ሕማምን ይሳቐያ ከምዘለዋ ኣገንዚበን፤ቕድሚ ኽረምቲ ናብ መረበተን ክምለሳ ድማ ሓቲተን።

ትግቲቪ



Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *