ከንቲባ ከተማ መቐለ ኣይተ ይትባረክ ኣምሃ
ከንቲባ ይትባረክ ኣምሃ ነዙይ ዝበሉ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ኣብ ዙርያ ኢንቨስትመንት ዝተርኣዩ ፀገማት ንምፍታሕ ምስ ሰብ ሃፍቲ እታ ከተማ ኣብ ዘካይዶ ዘሎ መድረኽ ዘተ እዩ ።
ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ትግራይ ብዝተኸፈተ ቅሉዕ ጀኖሳይዳዊ ኩናት ኣብ ትግራይ ዝበፅሐ ዕንወት ሰፊሑ እዩ ዝበለ ኣይተ ይትባረክ ኣምሃ ብፍላይ ዓውዲ ኢንቨስትመንት ድማ ከቢድ ሃሰያ በፂሕዋ እዩ ኢሎም።
ኢንቨስትመንት ትግራይ ኢሉ እውን ከተማ መቐለ ኣብ ሕማቕ ኩነታት እዩ ዘሎ ብምኻኑ ድማ ቃልሲ የደልይ ክብሉ ኣይተ ይትባረክ ኣምሃ ገሊፆም።
ኣይተ ይትባረክ ወሲኾም ከም ዝበልዎ ድሕሪ ናይ ፅንተት ኩናት ሰለ ልምዓት እንትንዘራረብ ፀገማትና ተፈቲሖም ማለት ኣይኮነን ግን ድማ ክንመኻኸር ስለዝግባእ እዩ ኢሎም።
ልምዓት ትግራይ ኣብ ተጋሩ ዝተመሰረተ እዩ ሰለዝኾነ ድማ ኣብ ኢንቨስትመንት ዝርኣዮ ዘለዎ ዕንቅፋታት ብምፍታሕ ናብ ስራሕ ክንኣትው ይግባእ ክብሉ ከንቲባ ይትባረክ ኣምሃ ተዛሪቦም ።
ኣብቲ መድረኽ ብምምሕዳር መቐለ ዝተዳለወ ፅንዓት መሬት ኢንቨስትመንት መቐለ ፣ ማኑፋክቸሪንግ ኢንቨስትመንት ከተማ መቐለ ቀሪቡ ምይይጥ እናተገበረሉ እዩ።
