ኣብ ትሕቲ ወራር ዝርከብ ህዝቢ ትግራይ ግልጋሎት መብራህቲ ይሃልዎ ኣይሃልዎ ምፍላጥ ከምዘይተኽኣለን ዝገለፁ ኣይተ ግርማይ ኣብ ከተማታት ሸራሮ ዛላንበሳን ዝኣመሰላ ብርክት ዝበላ መዳቡብትን ከተማታትን ሕዚ’ውን ብዘይ መብራህቲ ኣብ ፀልማት ይርከባ ኢሎም ።
ኣብ ትግራይ ዝበፀሐ ዕንወት ብቐሊሉ ምፅጋን ኣይተኻለን ብሙኻኑ ድማ ዝተዋደደ ስራሕቲ ኣገዳሲ እዩ ዝበሉ ኣይተ ግርማይ በዚ መዳይ ካልኦት ኣካላት እውን ግልጋሎት ሓይሊ ኤለክትሪክ ኢትዮጵያ ንዘሳልጦ ዘሎ ስራሕቲ ምድጋፍ ይግባእ ኢሎም ።
ኣካያዲ ስራሕ ርክባት ህዝቢ ግልጋሎት ሓይሊ ኤለትሪክ ትግራይ ኣይተ ግርማይ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ግልጋሎት ብምዝማን ደንበኛታት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ናብ ድጅታል ክፍሊት ንምስጋር ዝተፈላለየ ምንቅስቃስ የካይድ ከምዘሎን ተጠቀምቲ ዓማዊል ብቴሌብርን ሞባይል ባንክን ብምጥቃም ኣብ ዘለውዎ ኮይኖም ቅልጡፍን ዘመናዊ ግልጋሎት ዝረኽብሉ ከምዝጀመረ ገሊፁ።
ብተወሳኪ ሕብረተሰብ ዘይሕጋዊ ውልቀ ሰባት ካብ ግልጋሎት ሓሊይ ኤሌክትሪክ ኢና እናበሉ ንሕብረተሰብ ዘሸገሩ ስለዘለው ልዑል ጥንቃቀ ክገብር ከምዘለዎን ሕጋዊ ሰጉምቲ ከምዝወስዱን ገሊፁ።
