ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ 5 ኣደባባያት ዝርከቡ 6 ኪሎ ሜትሮ ዝንዉሓቶም መንገድታት ኣስፋልት ስራሕቲ ዳግመ ህንፀት ጥሪ 2/2016 ዓ/ም ከም ዝተጀመረ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ኣፍሊጡ።
ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ከባቢ ቐዳማይ ወያነ ዝርከቡ ነባራት መንገድታት ነዊሕ ዓመት ግልጋሎት ዝሃቡ ብምዃኖም ኣብ ዝሓፀረ እዋን ከም ብሓዱሽ ንምህናፅ ምንቅስቓስ ከምዝተጀመረ እዩ ተገሊፁ ዘሎ።
በዚ መሰረት 5 ኣደባባያት ዝርከብዎም ብድማር 6 ኪሎ ሜትሮ ዝተፈላለዩ ኣስፋልት መንገድታት ዳግመ ህንፀት ተጀሚሮም ኣለዉ።
እቲ ከባቢ ማእከል ንግድን ኢንቨስትመንትን ሰፊሕ ምንቅስቓስ ትራንስፖርትን ዝርኣየሉ ብምዃኑ ምጭንናቕ ትራፊክ ብዘይፈጥር በቢምዕራፉ ከምዝህነፁ ንምፍላጥ ተኻኢሉ ከም ሓበሬታ ጉዳያት ኮምኒኬሽን ከተማ መቐለ።
እቶም መንገድታት ኣስፋልት ብሱር ኮንስትራክሽን ዝህነፁ ዘለዉ ምኻኖምን እዚ ድማ ብመሰረት ምምሕዳር ከተማ መቐለን ሱር ኮንስትራክሽንን ዝፈፀምዎ ዉዕሊ ህንፀቶም ዝተጀመረ ከምዝኾነ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
