Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ኣብ “ዳግመ ህንፀት ትግራይ ሕውየትን” ዘድሀበ መድረክ ዘተ ተካይዱ

እግሪ ምትካልን ዳግመ ህንፀት ትግራይን ብዝብል ቴማ ንምርግጋፅ ዳግመ ህንፀት ትግራይ ክውሰዱ ዘለዎምን ዝውሰዱ ዘለው ተበግሶታትን ኣመልኪቱ ዘተ ተሳሊጡ።

ሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ትግራይ ብዝኾነ መንገዲ ክንሓልፎ ዘይንኽእል ዋኒን ኩሉ ትግራዋይን ናይ ሓባር ዕላማን ከቢድ ሸኽምን እዩ ድማ ኢሉ ጀነራል ታደሰ ወረደ። እቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ዕንወት ከቢድን ፃዕሪ ዝሓትትን ዋላ እንተኾነ ኩለ መዳያዊ ዓቕምታትና ብምጥቃም ንምፍትሑ ክንሰርሕ ይግባእ ክብል ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣገንዚቡ።

ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኣወጀ ጆኖሳይዳዊ ኲናት ብፍፁም ጭካነን ኩሎም ዓይነታት መሳርሒ ኲናትን ብምጥቃም ኣብ ልዕሊ ትግራይን ተጋሩን ዝበፅሐ ዕንወት ብቐሊሉ ዘይለዓል ዕንወት ትግራይ ተሸኪማ ትርከብ ዝበለ ድማ ጀነራል ተኽላይ ኣሸብር እዩ።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ንላዕለዎት ሓለፍቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሓዊሱ ሙሁራን ካልኦት ዓቕምታት ትግራይን ይሳተፉ ምህላውም ምጭታትና ገሊፆም፡፡

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *