Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ዳያስፖራ ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ ኣብ ትግራይ ዝተፈፀሙ ዘርኢ ምፅናትን ዝፍፀሙ ዘለዉ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ፈፀምቲ ኣካላት ተሓተቲ ንክኾኑ ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተረኺቦም ድምፆም ኣስሚዖም።

እቶም ዳያስፖራ ኣብ ትግራይን ካልኦት ከባቢታትን ዝተፈፀሙ ገበናት ኲናት ከፃሪ በቲ ውድብ ዝተመልመለ ጉጅለ ኣብ ዝመፅእ 10 መስከረም 2016ዓ.ም ጀሚሩ ንካውንስል ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ሪፖርት ዘቕርብ እንትኾን ናብ ትግራይ ኣትዩ ብዘይምፅራዩ ሙሉእነት ከምዝጎድሎ ገሊፆም።

ብኻሊእ ገፅ መንግስቲ ኢትዮጵያ እቶም ዝተፈፀሙ ገበናት ንምሽፋንን እቲ ጉጅለ ስርሑ ከቋርፅን ብስም ስግግር ፍትሒ ዝገብሮ ዘሎ ምንቅስቓስ ዝኾነኑ እቶም ዳያስፖራ፣ ነዚ ንምፍሻል ድማ ድምፂ የተኣኻኽቡ ከምዘለዉ ካብ ድረ-ገፅ ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *