ብሳልሳይ ወያነ ትግራይ “ደወል ብሄራዊ ሓደጋ”ብዝብል ኣርእስቲ ዝተዳለወ ሰነድ ሎሚ 6 ሓምለ 2015ዓ/ም ዕላዊ ኮይኑ።
ንዕላውነት እቲ ሰነድ መሰረት ተገይሩ በቲ ውድብ ኣብ ዝተወሃበ መግለፂ፣ሳወት ህዝቢ ትግራይ ኣብ ከቢድ ብሄራዊ ሓደጋ ኣለና ኢሉ ከምዝኣምን ገሊፁ።
ኣብቲ መግለፂ ልዕሊ ሲሶ መሬት ትግራይ ኣብ ኢድ ፀላእቲ ከምዘሎ ዝተገለፀ ኮይኑ፣ኣብቲ ብውራ ዝተተሓዘ መሬት ዘሎ ህዝቢ መከራ የሕልፍ ከምዘሎ ተገሊፁ።
ኣብ ቀረባ ርሕቐት በቶም ብወረርቲ ተወሪሩ ዘሎ መሬት ትግራይ ዝነብር ህዝቢ እውን ኣብ ስግኣትን ፀገም ማሕበረ ቁጠባን ከምዝርከብ ዝገለፀ ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ፣ሃለዋት ህዝቢ ትግራይ ከውሕስ ዝኽእል ዝበሎ ሰነድ ኣዳልዩ ዕላዊ ገይሩ ኣሎ።
ሳወት እቲ ሰነድ ህዝቢ ትግራይ ኣጋጢምዎ ካብ ዘሎ ሰግኣት ህላወ መወፅኢ መንገዲ ዘመላኽት ከምዝኮነ ገሊፁ።
