ተጋዳላይ ደብሪፅ ከም ንህቢ ህርኩት፣ እሙን፣ ንፁህን፣ ውፅኢቱ ድማ መዓር እዩ። ከም ንህቢ ቆፈኡ ብመዓር ዝመልእ ኣብ ርስሓት ፈፂሙ ዘይዓርፍ ውፅኢት ማህፀን ትግራይ እዩ።
ደብሪፅ ካብ ምስረታ ድምፂ ወያነን ናይ ስለያ ጠለፋን ስርዓት ደርጊ ሓሙክሽቲ ኾይኑ ክበንን ካብ ዝገበሩ ትካላት ውዱብ ጀሚሩ ክሳብ ህዚ ኣብ ዝተዋፈሮ ዓውደ ተልእኮ ብፅፈትን ብእምነትን ሓደራ ህዝቡን ውድቡን ብብቅዓት ዝዋፃእ ዘሎ እሙን ወዲ ህዝቢ ትግራይ እዩ።
ድሕሪ ውድቀት ደርጊ ካብ 83-93 ዓ.ም ንዓስርተ ዓመት ዝኣክል ከም ምክትል ሚኒስትር ድሕንነት ዝነበረ ክንፈ ገብረመድህን ኾይኑ እንተገልግል ብመሰረቱ ትካል ስለያን ድሕንነትን መረጃን ኢትዮጵያ ብዘመናዊ ቴክኖሎጂ ክዋቀርን ንዕዑ ዝምጥን ሓይሊ ሰብ ብምምዳብን ማዕረ ንማዕረ ምስ ሲኣይኤ ዝኾነ ኣብ ኣፍሪቃ ተፈራሒን ተኸባሪን ትካል ክህልወና ብምግባር ድሕሪ መስዋእቲ ክንፈ ብብቅዓት ናብ ጌታቸው አሰፋ ዘሰጋገረ ምዃኑ ይፍለጥ።
ድሕሪኡ ኣብ ትግራይ ዝፀንሐለን ዓመታት ውን ብብቅዓቱ ምስ አመስከረ ናብ አዲስ አበባ ተመሊሱ ቴሌኮሙኒኬሽን ክመርሕ ዝተገበረ እንትኾን ናብ ሚኒስትሪ መስሪያቤት ክዓቢ ገይሩን ብአፍሪቃ ደረጃ ግዙፍ ቴክኖሎጂ ማእከል ክኸውን ዝገበረን ኣብ ሳይንስን ሞያዊ ብቅዓትን ጥራሕ ዝኣምን ቴክኖክራት ዓይነት መራሒ እዩ።
ድሕሪ ናብ ትግራይ ምምፃኡ ውን ብሄራዊ ሓድነት ትግራይ ብምስጣም ብህዝቢ ትግራይን ውዱብ ህወሓትን ዝፍተው ተግባራት ብምፍፃም ትግራይ ደሴት ሰላም ክትኸውን ዝገበረ ፖለቲካዊ በሳል መሪሕነቱ ብዓለም ብፃላኢን ፈታዊን ማዕረ ናእዳ ዝረኸበ ወዲ ህዝቢ ትግራይ እዩ።
ሰለዝኾነ ድማ ደብረጽዮን ካብ ጓሓፍን ግዕዝይና ነፃ ዝኾኑ መንግስታዊን ውዱባዊን ትካላት ብምህናፅ ፅርይቲ ትግራይ ሃኒፁ ከምዘረክበና እምነተይ እዩ። እምነት ህዝቢ ትግራይ እዩ እውን።
ዕድመን ጥዕናን ንንህቢ ትግራይ ደብረጽዮን ገብረሚካኤል🌷
