Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:

ስራሕተኛታት እቲ ትካል ብብርኪ ሃገር ንመበል 48 ግዘ ዝኽበር ዘሎ ዓለምለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ሎሚ እንተኽብሩ ፣ደቂ ኣንስትዮ ከይተፀገማ ስርሐን ክሰርሓ ዘኽእል መውዓሊ ህፃናት ተሰሪሑ ከምዝተመረቐ ስራሕ ፈፃሚ ኣገልግሎት ሓይሊ መብራህቲ ትግራይ ኣይተ መስፍን ገብረመድሂን ገሊፆም።

ኣይተ መስፍን ህንፀት እቲ መውዓሊ ህፃናት ኣብ 2012 ዓ/ም ዝተጀመረ ምዃኑ ብምግላፅ ፣ድሕሪ ሰላም ብዙሓት ዕዮታት ዘለውዎ እቲ ትካል ቅድሚያ ንህንፀት እቲ መውዓሊ ህፃናት ብምሃብ ተዛዚሙ ሎሚ ከምዝተመረቐን ምችው ናይ ስራሕ ከባቢ ንደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምፍጣር ልዑል ግደ ከምዝህልዎ ተዛሪቦም።

ተወካሊ ኣገልግሎት ሓይሊ መብራህቲ ኢትዮጵያ ኣይተ ኣስናቀ ታምሩ፣ ደቂ ኣንስትዮ ዘየሳተፈ ማሕበራዊን ቁጠባውን መደብ ከምዘይዕወት ብምሕባር ፣ደቂ ኣንስትዮ ናብ መሪሕነት ክመፃ ንስርሕ ኣለና ብምባል ምችው ናይ ስራሕ ከባቢ ንምፍጣር ተባሂሉ እቲ ትካል መውዓሊ ህፃናት ከምዝሰርሐ ተዛሪቦም።

ዳይሬክተር ዳይሬክቶሬት ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ኣገልግሎት ሓይሊ መብራህቲ ኢትዮጵያ ወይዘሮ መዓዛ ፀጋይ ብወገነን ፣ኣብቲ መውዓሊ ህፃናት ዝሰርሑ ሰብሞያ ግቡእ ስልጠና ዝወሰዱ ምዃኖም ሓቢረን።

እዚ ኣብ ከተማ መቐለ ዝተመረቐ መውዓሊ ህፃናት ኣስታት 3 ሚሊዮን ብር ወፃኢ ከምዝተሃነፀን ኣብ ፈለማ ን 32 ህፃናት ተቐቢሉ ከምዝሕብሕብ ዝተገለፀ እንትኾን ፣ ኣብ ትግራይ ካብ መቐለ ቀፂሉ ኣብ ከተማ ሽረ እውን ንሰራሕተኛታት እቲ ትካል መውዓሊ ህፃናት ንምስራሕ መደብ ከምዝሓዘ ኣገልግሎት ሓይሊ መብራህቲ ትግራይ ኣፍሊጡ ኣሎ።