ኣቦ ወንበር ህወሓት ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ብምኽንያት ዓለምለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣመልኪቶም ኣብ ዘማሓላለፍዎ መልእኽቲ ንኹሎም ሰብ ስራሕን ተፈጥራዊን ፈተናታት ተፃዊርክን ብሄራዊ ክብርኽን፣ ህልውናኽንን መሰል ዓርሰ ውሳነኽንን ንምኽባር ኣንፃር ኩሎም ዓይነት ወፅዓታትን በደላትን ብፅንዓት ዝተቓለስክንን እትቃለሳ ዘለኽንን ጀጋኑ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ እንኳዕ ንዓለምለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ (ማርች 8 ) ኣብፀሐክን ኢሎም ።
ንዝበፅሓክን ኩለመደያዊ መጥቃዕትን በሰላን ተፃዊርክን ብዘካየድክንኦ ዘይሕለል ቃልሲ፣ እንሆ ናብቲ ካብ መፈለምትኡ ጀሚርና ክንሓቶ ዝፀናሕና ሰላማዊ ፖለቲካዊ ናይ ቃልሲ መድረኽ ክንሰጋገር ክኢልና ኢና ዝበሉ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ብቐፃሊ’ውን ውዕል ሰላም ፕሪቶሪያ ብምሉእነት ክትግበር፣ ሓራ ዘይወፀ ህዝብና ሓራ ክወፅእ፣ ዝተመዛበለ ህዝብና ናብ መረበቱ ክምለስን ብድምር መሰል ርእሰ ውሳነና እንከይተሸራረፈ ክኽበርን ኣብ ውሽጥን ደገን ዘለኽን ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልስኽን ኣሐይልክን ክትቅፅላ ይላቦ ክብሉ መልእኽቶም ኣሕሊፎም ።
