Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ደሪሕ ኣልነጃሺ ማእከል መስሕብ ቱሪዝም ክኸዉን ብዕቱብ ይሰርሕ ከም ዘሎ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ኣፍሊጡ ።

ብኣቆፃፅራ ሄጅራ ንመበል 1445 ዝኽበር ዘሎ በዓል ዓሹራ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ብዝመፁ ተኸተልቲ ሃይማኖት እስልምና ሃይማኖታዊ ክብሪታቱ ብዝሕሉ መንገዲ ተኸቢሩ እዩ::

ኣብቲ በዓል ተረኺበን ዘረባ ዘስምዓ ምክትል ሓላፊት ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ወይዘሮ ዘነቡ ሓለፎም ከም ዝበልኦ ደሪሕ ኣልነጃሺ ታሪካኻዉን ቅዱስ ስፍራን ጥራይ ዘይኮነስ ማእከል ምክብባርን ምክእኣልን ሃይማኖታት እዉን ከም ዝኮነ ኣረዲአን ።

ስለ ዝኮነ እዚ ቅዱስ ስፍራ ብናይ ፅንተት ሓይሊታት ዝበፅሖ ጉድኣት ቀልጢፍካ ብምፅጋን ማእከል መስሕብ ቱሪዝም ንምግባር መደብ ኣሎ ።

ፕረዚደንት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ሸክ ኣደም ዓብደልቃድር ነቲ በዓል ምኽንያት ገይሮም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ድማ ደሪሕ ኣልነጃሺ ዝበፅሖ ጉድኣት ምፅጋን ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ከተማ ነጋሽ ኮሌጅ ሃይማኖት እስምልና ከፊትካ እዉን ማእከል ምርምርን ስነዳን ክኸዉን ከም ዝስራሕ ገሊፆም ።

ዋና ኣመሓዳሪ ወረዳ ክልተ ኣዉላዕሎ ኣይተ ኣስመላሽ ገብረስላሴ ብወገኖም ከም ዝሓበርዎ ኣብ ከባቢ ነጋሽ ዘሎ ስጡም ርክብን ምክእኣልን ሃይማኖታት ተጠናኺሩ ክቅፅል ብምግባር ብፀላእቲ ዝዓነወ እቲ ደሪሕ ኣብ ዝሳለጥ ፅገናንን ማእከል መስሕብ ንክኸዉንን ምስ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ልዑል ትኹረት ሂቡ ከም ዝሰርሕ ተዛሪቦም ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *