Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ይቕፅል ዘሎ ግፍዕታት ሓይልታት ፅንተት!

ህዝቢ ከተማ ማይፀብሪ፣ ወረዳታት ፀለምትን ላዕላይ ፀለምትን ሕዚ እውን ብዝገደደ መልክዑ ብዕጡቓት ኣምሓራ ግፍዕታት ይብፅሖ ከምዘሎ ነበርቲ እቲ ከባቢ ንድምፂ ወያነ ትግራይ ገሊፆም።

ካብዚ ብተወሳኺ እቶም ዕጡቓት መፃኢ ሰንበት 11 ሰነ 2015ዓ.ም ህዝቢ እተን ወረዳታት ብሓይሊ ሰልፊ ንከካይድ ብኣግኡ የለዓዕልዎን የገድድዎን ብምህላዎም ህዝቢ እቲ ከባቢ ኣብ ከቢድ ጭንቂ ኣትዩ ከምዘሎ ሓቢሮም።

ብተወሳኺ ድማ ከካብ ጣቢያኡ ብርክት ዝበለ ምልሻ እናመልመሉ ብሓይሊ የሰልጥንዎን የዕጥቕዎን ኣሎ ዝበሉ እቶም ውሃብቲ ርኢቶ፣ብትግራዋይነትም ጥራሕ ግፍዕታት ይበፅሖም ከም ዘሎ ሓቢሮም።

ብመሰረት እቲ ስምምዕ ሰላም እዞም ወረርቲ ሓይልታት ካብ መሬት ትግራይ ክወፅኡ ፣ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ክምለሱን ገበነኛታት ብሕጊ ክሕተቱን ፃዊዒቶም ኣቕሪቦም ኣለዎ።

ድወት

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *