Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ይቅፅል ዘሎ ግፍዒታት ኣምሓራ

ዕጡቃት ኣምሓራ ብሓይሊ መንነትን አሰፋፋራን ተጋሩ ንምቅያር ዓሊሞም አብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ማይፀብሪ ፣ወረዳታት ፀለምትን ላዕላይ ፀለምትን ህዝባ ብሓይሊ ሰልፊ ከካይድ ይገብርዎ አለዉ።

እቲ ሰልፊ ንክካየድ ብአግኡ ጎስጓሳትን ምፍርራሕን እናገበሩ ዝቀነዩ ኮይኖም ሐዚ ካብ አብያተ ክርስትያናትን ገዛንገዛ እናዘሩን እዮም ሰልፊ ከካይድ ገይሮምዎ ዘለዉ ክብሉ ነበርቲ እቲ ከባቢ ገሊፆም።

አብቲ ሰልፊ ዘይተረከበ ድማ ብትግረዋይነቱ ግፍዒታት ይበፅሖ ከምዘሎ ሓቢሮም።

ህዝቢ ከተማ ማይፀብሪ ብመንነቱ ዘይደራደር ህዝቢ እዩ ዝበሉ ነበርቲ እተን ወረዳታት ስምምዕ ሰላም መሊኡ ተግባራዊ ክከውን፣እዞም ወረርቲ ሓይልታት ካብ መሬት ትግራይ ብህፁፅ ክወፁን ተመዛበልቲን ሰደተኛታትን ናብ መረበቶም ክምለሱ ፀዊዖም።

ድወት

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *