ዩኒቨርስቲ ዓዲግራት ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ንምጅማር ናይ ድህረ-ምርቓ ተምሃሮን ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ኲናት ትምህርቶም ክክታተሉ ዘይከኣሉ ኣብ ካልኦት ዩኒቨርስታት ኢትዮጵያ ተምሃሮ ዝነበሩ ሓዊሱ ኩሎም መደበኛ ተምሃሮ ካብ 29 ሓምለ ክሳብ 01 ነሓሰ 2015 ዓ/ም ተምሃሮ ከም ዝቕበል ዕላዊ ገይሩ።
ዩኒቨርሲቲ ዓዲግራት ብሰንኪ እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀመ ጀኖሳይዳዊ ኲናት በቶም ወረርቲ ከቢድ ዕንወትን ጉሕለትን ካብ ዝበፀሖም ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ሓደ እዩ።

Adigrat University
