ዩኒቨርስቲ መቐለ ፣ መድረኽ ፎረም ፕረዚደንታት ዩኒቨርስቲ የተኣናግድ ኣሎ ።
ፕረዚደንት ዩኒቨርስቲ መቐለ ዶክተር ፋና ሓጎስ እቲ ዩኒቨርሲቲ ገዚፍ ዕንወትን ኣዝዩ ብርክት ዝበለ ብድሆታትን ኣሕሊፉን እናሕለፈን ሙኻኑ ኣብቲ መድረኽ ኣመላኪተን።
ኮይኑ ግና እቲ ዩኒቨርሲቲ ምስ ናይ ቀደም መሻርኽቱ ዳግማይ ንኽራኸብ ንምትሕግጋዝን ፡ ኣህጉራዊ ዝምድናታት ኣብ ምሕያል ብዘይዕረፍቲ ክሰርሕ ፀኒሑ’ዩ ኢለን።
ሰራሕተኛታት ኣካዳሚያውን ደገፍቲን እቲ ዩኒቨርሲቲ ኣብቶም ዝሓለፉ ከበድቲ ዓመታት ዘሕለፍዎ ከቢድ ኩነታትን ንዝነበሮም ፅንዓትን ተወፋይነትን ዘመስገና ዶክተር ፋና ፡ ንሰራሕተኛታት ዩኒቨርሲቲታት ብሞራልን ቁጠባን ክጎድእ ዝፀንሐ ዘይተኸፍለ ደሞዝ ንኽፍታሕ ከምዝግባእ ኣስሚራናሉ።
ብሙኻኑ ድማ ኣብቲ መድረኽ ክዝተየሉን ተወሳኺ ሓሳባትን ክወሃበሉ፣ ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ እውን ኣብ ልዕሊ እቲ ዝምልከቶ ኣካል መንግስቲ ፀቕጢ ንምፍጣር ሓገዝ ንክህቡ ኣእዳዎም ክዝርግሑን ተማሕፂነን።
