እቲ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ 26 ሓምለ2015 ዓ/ም ካብ ዞባታት ማእኸልን ሰሜን ምዕራብን ዝመፁ ተምሃሮ 12 ክፍሊ ከምዝተቀበለ ገሊፁ።
ብምክንያት ኮሮናን ጆኖሳይዳዊ ኲናትን ካብ መኣዲ ትምህርቲ ሪሒቆም ዝፀንሑ እዞም ተምሃሮ፣ኣብ ፃንሒቶም ንሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ዝሕግዞም ሓገዝ ትምህርቲ ከምዝግበረሎም ኣመላኺቱ።
ኣብ ትግራይ ዝርከባ ዩኒቨርሲቲታት ንተምሃሮ 12 ክፍሊ ንምድላው ዝሕግዝ ትምህርቲ ንምሃብ መደብ ሒዘን ናብ ተግባር ይሰጋገራ ከምዘለዋ ይፍለጥ።
