ጥሪ 7፣2013 ዓ፣ም ልዕሊ 73 ዝኾኑ ነበርቲ ወረዳ ናዕዴር ጣብያ ማሕበረዴጎ ብሓይልታት ፅንተት ብዘስካሕኽሕ መንገዲ ዝተጨፍጨፍሉ መዓልቲ ነይሩ፡፡
ማሕበረሰብ ዓለም እዞም ብግፍዒ ዝተጨፍጨፋ ወገናት ድማ ተሓታትነትን ፍትሕን ከረጋግፅ ከም ዘለዎ ስድራ ግዳያት ይፅውዑ፡፡
ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተወለዐ ጄኖሳይዳዊ ኲናት ኣብ ልዕሊ ንፁሃት ወገናት ብምጭፍጫፍን ንብረት ህዝቢ ትግራይ ክዓኑን ክውረርን ተገይሩ እዩ፡፡
ልክዕ በዛ ዕለት 7 ጥሪ፣ 2013 ዓ/ም ሰለማውያን ሰባት ነበርቲ ወረዳ ናዕዴር ጣብያ ማሕበረ ዴጎ ብኣድራጋ ዝተረሸኑሉን ጅምላዊ ጨፍጫፍ ዝተፈፀመሉ እዋን ነይሩ፡፡
ካብ ዓበይቲ ክሳብ መናእሰይ ካብ ገዝኦም ብምጭዋይ ክርሸኑን ኣስካሬኖም ድማ ብሓዊ ክቃፀል ተገይሩ እዩ፡፡ ድሕሪ 6 ኣዋርሕ ድማ ኣስካሬኖም ክእረ ከም ዝተገበረ ስድራ ግዳያት የዘኻኽሩ፡፡
ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀመ ገበን ጄኖሳይድ ኣብ ዓለም ለኸ ቤት ፍርድን ካልኦት ኣብያተ ፍርድን ፍትሕንን ተሓታትነትን ክረጋገፅ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፣ ማሕበረሰብ ዓለም ብትኹረት ክሰርሑ ከም ዘለዎም ብተደጋጋሚ ፃውዒት ይቐርቡ ኣለው፡፡


