ኣብቲ መድረክ ተጋዳላይ ይፍጠር ታደለ (ሃገራዊ) ሕድሪ ናይ ትማልን ናይሎምን ብፆትና ሒዞምዎም ዝተበገሱ ዕላማታት ከምኡ እውን ድሌታቶምን ባህግታቶምን ንምዕዋት ብዝለዓለ ወነን ሕራነን ከም እንፍፅም ቓልና እንሕድሰሉን ኣብ ዳግመ ህንፀትን ሕውየትን ትግራይ እንረባረበሉን ዝተፈለየ እዋን ምኳኑ ተዛሪቡ።
ተጋዳላይ ማሾ በየነ ብወገኑ ኣብ ትግራይ ዝተፈፀመ ጆኖሳይዳዊ ኹናት ስዒቡ ዝበፅሐ ጥፍኣትን ብርሰትን ክነሕዊ ሻማ ሻማ ክንብል ከም ዝግባእ መልእክቱ ኣመሓላሊፉ።
ኣብቲ ስነ ስርዓት ዝክሪ ስድራ ሜጀር ገዛኢ ኣበራ ወኪለን ዝተዛረባ ተጋዳሊት ኣበባ ዘሚኪኤል ከምዝበልኦ እቲ ሕዚ ተረኪቡ ዘሎ ሃዋሁው ሰላም ብጀጋኑ ደቂ ህዝቢ ክባር ዋጋ ከምዝተከፈሎ ብምዝክካር ኩሉ ትግራዋይ ንጀጋኑ ሰማእታት ክብሪ ብምሃብ ኩሉ ዝብህጋ ትግራይ ክትሃንፁ ይግባእ ክብላ ሰናይ ትምኒተን ገሊፀን እየን።
ብስውእ ተጋዳላይ ሜጀር ጀነራል ገዛኢ ኣበራ ዝተሰየመት ኣሃዱ ብስም እቲ ጅግና ዝተሰየመት ኣብ ወረዳ ላዕላይ ማይጨው እትርከብ ቤት ትምህርቲ ጥሻ ንተመሃሮ ሓገዝ ዝውዕል 30 ሽሕ ብር ኣወፍዮም ኣለዉ።
እታ ኣሃዱ ዛጊድ ዝሰርሐቶም መስተንክራዊ ፍፃመታት እተዘንቱ ፈዳይት ዘርእስታ መፅሓፍ እውን ብዕሊ ኣመሪቓ ኣላ ኣብ መወዳእታ ናይ ሜጀር ጀነራል ገዛኢ ኣበራ እምነ ኵርናዕ ምቕማጥ ሓወልቲ ዝተገበረ እትከውን ኣብ 2016 ዓ/ም ብዕሊ ከምዝምረቕ ድማ ንምፍላጥ ተካኢሉ ኣሎ
ድወት
