ኣብ ወረዳ ጉሎምኻዳ ጣብያ ሓየሎም ዝኸፍአ ጥምየት ከም ዘሎን መግለፂኡ ድማ ሞትን ንስደት ምበትታንን ከምዝተሳጥሑ ዘዘራረብናዮም ነበርቲ እታ ጣብያ ገሊፆም።
ካብ ነበርቲ እታ ጣብያ ሰማንያ ዝኾኑ መራሕቲ ስድራ ብሰንኪ ጥምየት መረበቶም ራሕሪሖም ከምዝጠፍኡን ሃለዋቶም ከምዘይብሎምን ተወካሊ ጣብያ ምምሕዳር ሃለቃ ደስታ ገብረኺዳን ኣረዲኦም።
ሓሙሽተ ቤተ ሰብ እተመሓድር ወ/ሮ ብሪ ባህታን ራብዓይ ርእሳ ወ/ሮ ንግስቲ ካሕሳይን ከም ዝሓበራኦ ድማ የለን ዘይፈልጡ ህፃናትን ናይ ኣእምሮ ጥዕናዊ ፀገም ዘለዎም ቆልዑ ሒዘን ንኸቢድ ጥምየት ተቃሊዐን ኣብ ኣፍ ሞት ከምዝርከባ ተዛሪበን።
አብታ ጣብያ ብሰንኪ ጥምየት ቤት መረበቶም ዓፀዮም ካብ ዝጠፍኡ ሓንቲ ወ/ሮ ብሪ እምብዛ ምሰ ደቃን ወላዲታን ኣብ ጎደና ከተማ ዓዲ ግራት ክትልምን ረኺብናያ ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ ዝብላዕ ዝልሓስ ስኢነ ካብ ወረዳ ጉሎምኻዳ ጣብያ ሓየሎም ምስ ደቀይን ወላዲተይን ብጥምየት ካብ እንረግፍ ኣበዚ ከተማ ንነብሰይ ዝበለ ብዝተኾበልና ህይወትና ንምቅናይ ከርተት ንብል ኣለና ኢላ።
