ፈለማ እንኳዕ ንመበል 50 ዓመት ምጅማር ዳግማይ ወያነ ህዝቢ ትግራይ በዓል 11 ለካቲት ብሰላም ኣብፀሐካ ኣብፅሓና ክብል ይፈቱ።
ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ብመራሕቲ ሃይማኖትን ካብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ዝመፁ ግዱሳት ተጋሩን ፈተውቲ ትግራይን ዝኾኑ ዓበይቲ ዓድን ዝተፈላለዩ ናይ ድርድርን ዕርቅን ተበግሶታት ተጀሚሮም ነይሮም እዮም። በቲ ተጀሚሩ ዝነበረ ተበግሶ ብውሑዱ ኣፈላላያትና ንጎኒ ኣፅኒሕና በዓል 11 ለካቲት በሓባር ንምኽባርን ኣኼባ ሕብረት ኣፍሪካን ብሓባር ንምስላጥን ኣብ ስምምዕ ተበፂሑ ስለዝነበረ ብክልቲኡ ወገን ዝነበሩ ኮሚቴታት ብሓባር ንክሰርሑ ኣንፈት ኣቐሚጥና ነይርና ኢና።
ይኹን ምበር እንትርፊ ናይ ባዕሉ ናይ ስልጣን ባህጊ ናይ ህዝቢ ሰላምን ድሕንነትን ዘየግድሶ ጉጅለ ነቲ ዝተፈጥረ ናይ ሰላምን ሓቢርካ ናይ ምስራሕን ተበግሶ ብምብራዝን ብምሕማስን ኣብ ህዝብና ህወከትን ግጭትን ንምፍጣር ኮነ ኢሉ ኣብ ምንቅስቓስ ከም ዘሎ ከም መንግስቲ ተረዲእና ኣለና። ካብዚ ብምብጋስ እቲ ሓቢርካ 11 ለካቲት ንምብዓል ተሓሲቡ ዝነበረ ምንቅስቓስ በቲ ጉጅለ ምኽንያት ስለዝተኾለፈ በብዝመስለና ንክነብዕሎ ተገዲድና ኣለና። ደድሕሪ ናይቲ ጉጅለ ናይ ጥፍኣት መንገዲ ንዘይምስዓብን ህዝብና ናብ ግጭት ንዘይምእታውን ኢልና ከም መንግስቲ 10ን 11ን ለካቲት ዝነበሩና መደባት ክንስርዝ ወስንና ኣለና። ህዝብና እውን እቶም በብእዋኑ እናማዕበሉ ዝመፅኡ ናይ ዓመፅ ምንቅስቓሳት ብልቢ ክርድኦምን ክከታተሎምን ይግባእ።
እዚ ከምዘለዎ ኮይኑ ኣብዚ ናይ ለካቲት ምብዓል ምንቅስቓስ ህዝብና ዓርስኻን ከባቢኻን ብምሕላው ክትብዕሎ እናሓበርና በዚ ኣጋጣሚ ናይ መንግስቲ ኣፍልጦ ዘይብሉ ብሽም ርችት ምትኳስ ዝግበር ዘሎ ምንቅስቓስ ዝፈጥሮ ሓደጋ እንተልዩ ሓላፍነት ዝወስድ እቲ ጉጅለ ጥራሕ ምዃኑ ንህዝብና ነፍልጥ ኣለና።
ኣብ መወዳእታ ብሄራዊ በዓልና ዝኾነ 11 ለካቲት ካብ ዝተለምደ ዳንኬራን ጭፈራን ወፂኡ ንዝተመዛበሉ ወገናትና፣ ኣካሎም ንዝተጎድኡ ጀጋኑ ተጋደልትናን ንስድራ ስውኣትናን ብምሕጋዝ ንክነኽበሮ ፃውዒትና ነቕርብ።
ድምቀት ን11 ለካቲት!!
ክብርን ሞገስን ንስውኣትና!!
ዝኽሪ 11 ለካቲት ንሓድነትን ሰላምን ትግራይ!
ቤት ፅሕፈት ፕሬዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ
10 ለካቲት 2017ዓ.ም
መቐለ
