Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
አማርኛ ዜናዜና ትግርኛ
0

ዝክረ በዓል ሰማእታት ትግራይ ሰነ 15 እናተከበረ እዩ።

ዝኽሪ ሰማእታት ኣብ ከተማ ሓውዜን!

ሰማእታት እንትንዝክር ፀገም ህዝብና ኣብ ምፍታሕን ውሕስና ህዝቢ ትግራይ ንምርግጋፅን ልዑል ርብርብ ብምግባር ክኸውን ይግባእ ኢሎም ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ።

እዚ ዝተገለፀ ላዕለዎት ሓለፍቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ውድብ ህወሓትን ከምኡ እውን ኣባላት ሰራዊት ትግራይን ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብን ኣብ ዝተረኸብሉ መበል 35 ዓመት ዝኽሪ ሰማእታት ኣብ ከተማ ሓውዜን እንትሳለጥ እዩ።

መዓልቲ ሰማእታት ዝኽሪ ሰማእታት ንዘላቒ ሰላም ፣ሕውየትን ፍትሕን ብዝብል መሪሕ ቃል ንመበል 35 ግዜ እናተኸበረ እዩ።

ብተመሳሳሊ ዜና፡ ባህግናን ድሌትናን ሰላም ክብል

ተጋዳላይ ዮሃንስ ወልደጅወርግስ (መዲድ) ገሊፁ

ዓወት ውግእ ወፍሪ ኣሉላ እንትንዝክር ባህግናን ድሌትናን ሰላም እዩ ዝብል ጭርሖ ብምሓዝ እዩ ክብል ተጋዳላይ ዮሃንስ ወልደጅወርግስ (መዲድ) ገሊፁ።

ኻልኣይ ዓመት ዝኽሪ ወፍሪ ኣሉላን ቅነ መዓልቲ ሰማእታትን ምኽንያት ብምግባርን ኣብ ከባቢ ሸውዓተ ሕጉም ስነ ስርዓት ዝኽሪ ተሳሊጡ።

ድወት

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *