“ዝትካእ ደም ብምልጋስ ዘይትካእ ህይወት ነድሕን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ብምትሕብባር ቢሮ ጥዕና ትግራይ፣ ባንኪ ደምን ፕሮዳክሽን ፊልሚ ኦቴሎን፣ 07 ሰነ 2015 ዓ.ም መዓልቲ ለገስቲ ደም ኣብ ከተማ መቐለ ክካየድ እዩ።
ኣብ ቢሮ ጥዕና መተሓባበሪ ሃንደበታዊ ሕክምና ዶ/ር ኣቤነዘር እፀድንግል ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ ከምዝበልዎ፣ ሓደሓደ ውህብቶታት ብገንዘብ ዝርከቡ እንትኾኑ ከም ደም ዝኣመሰሉ ግና ብገንዘብ ዘይኮነስ ብውህብቶ እዮም ዝርከቡ፤ ኩሉ ጊዜ ድማ ንለገስቲ ደም ሕጉሳት ዝገብር እዩ ዝበሉ ዶ/ር ኣቤነዘር፣ ቀዋሚ ደም ለጋሲ ካብ ሰለስተ ክሳብ ኣርባዕተ ሰባት ናይ ምድሓን ዕድል እንትህልዎ ብወፍሪ ዝግበር ልገሳ ደም ግን ንሓደ ሰብ እዩ ኢሎም።
መካየዲ ስራሕ ፕሮዳክሽን ፊልሚ ኦቴሎ ኣይተ ሳምሶን ኣብርሃ ብግደኦም፣ ኣብ ትግራይ ዝተማለአ ግልጋሎት ሕክምና ንምሃብን ብሰንኪ ስእነት ደም ሂወቶም ንሓደጋ ዝተሳጥሑ ወገናትና ንምድሓን፣ 07 ሰነ 2015 ዓ.ም ኣብ ሮማናት ኣደባባይ ካብ ሰዓት 2:00 ንጉሆ ጀሚሩ ኣብ ዝግበር ልገሳ ደም፣ ደም ንምልጋስ ዘኽእል ረቋሒታት ዘማልእ ኩሉ፣ ደም ንክልግስ ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ድወት
