ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ
ኣብ ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሓላፊ ዘይምእኹል ምሕደራን ዲሞክራታይዜሽንን ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ ነዚ ዝገለፁ፣ ንዝቕፅሉ ሰለስተ ዓመታት ከም መበገሲ ዘገልግልን ንወረዳታትን ከተማታትን ዘድሊ በጀት ንምድልዳል ካብ ኩለን ወረዳታትን ከተማታትን ትግራይ ምስ ዝመፁ ኣካላት ኣመራርሓን ኪኢላታትን ኣብ ከተማ ውቕሮ ይካየድ ኣብ ዘሎ ሓበራዊ ዘተ እዩ።
ጀነራል ፃድቃን ወሲኾም ከም ዝሓበርዎ ኣብ ትግራይ መንግስቲ ዝምድቦ በጀት ምጥቃም ጥራይ ዘይኮነስ ፀጋታት ከባቢና እውን ብፍትሓዊ መንገዲ ኢና ክንጥቀመሉ ዘለና ምስ በሉ ፤ሐዚ ኣብ ትግራይ ዝረኣይ ዘሎ ውራ ወርቅን ካልኦት መዓድናትን ግና ኣዝዩ ሓደገኛን ክእረም ዝግበኦን ከም ዝኾነ ገሊፆም።
ብተወሳኺ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ዝረአይ ዘሎ ምንቕስቓስ ፖለቲካ ተለዋዋጥን ዘይተገማትን እዩ ዝበሉ እቶም ጀነራል ፣ትግራይ ኣብዚ ተኳሳሓይ ግዜ ብሄራዊ ረብሕኣ ንክተረጋግፅ ሓድነትና ወሳናይ ስለ ዝኾነ፣ሐዚ ዘሎ ፖለቲካዊ ጉዕዘና ምዝማንን ኩሉ ትግራዋይ ዝሳተፈሉ ዕድላት ምስፋሕን ከም ዘድሊ ሓቢሮም።
ኣብ ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሓላፊት ፕላን ኮምሽን ዶክተር ሃንሳ ተኽላይ ከም ዝበልኦ ድማ አብ ትግራይ ኣብ 2012 ዓ/ም ዝነበረ ድልደላ በጀት ክሳብ ሐዚ እናተሰርሓሉ ከም ዝመፀ ብምሕባር፣እዚ ድማ ቆፀራ ህዝቢ ስለ ዘይተኻየደን ዳግም ኣወዳድባ ወረዳታትን ከተማታትን ድማ ኣብ ግምት ዘእተወን ስለ ዘይኮነ ፍትሓውነቱ ከዘራርብ ፀኒሑ እዩ።
ሐዚ ግና ነዞም ኩሎም ፀገማት ኣብ ግምት ኣእትዩ በጀት 2016/2017 ዓ/ም ወረዳታትን ከተማታትን ትግራይ ተደልዲሉ ስለ ዘሎ ፣እዚ ድልድል ኣብ ምትእምማን በፂሕኻ ንዝቕፅሉ ሰለስተ ዓመታት ከገልግል ከም ዝስርሓሉ ኣረዲአን።
ኣብቲ ዝሳለጥ ዘሎ መድረኽ ምኽክር ካብ ወረዳታት ዝመፁ ኣካላት ኣመራርሓን ኪኢላታትን ንከባቢኦም መሰረት ገይሮም ርኢቶታት ሕቶታትን ከቅርቡ ድማ ትፅቢት ይግበር ።
