Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ዜና ሓዘን

ዜና ሓዘን

ነባር ጋዜጠኛ ታደሰ ሚዛን (PhD) ዓሪፉ!

ብ1963 ዓ/ም ኣብ ትግራይ ከተማ ውቕሮ ዝተወልደ ጋዜጠኛ ታደሰ ሚዛን ትማሊ 02 ሓምለ 2017 ዓ.ም ኣብ ሲያትል ኣሜሪካ ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈልዩ።

ካብ ዩንቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ብጋዘጠኝነትን ኮሚዩኒኬሽን ፣ ደሓር ድማ ኣብ ወፃኢ (ኣሜሪካ) PhD ዝተምሃረ ጋዜጠኛ ታደሰ ሚዛን ኣብቲ ሞያ ኣለው ካብ ዝበሃሉ ነባራት ጋዜጠኛታት ሓደ ነይሩ።

ኣብ ቴሌቪዥን ኢትዮጵያ ካብ ተራ ጋዜጠኝነት ክሳብ ዳይሬክተር ዜናን እዋናዊ ሓበሬታን ብምዃን ንነዊሕ እዋን ዘገልገለ ታደሰ ሚዛን ብፍላይ “የሚድያ ዳሰሳ” ብዝብል ዓሚቕ ትንታነ ይወሃቦ ዝነበረ መደብ ብምቕራብን ብምስንዳእን ይፍለጥ።

ኣብ ልዕሊ ትግራይ ኹናት ጽንተት ምስተኸፈተ እውን ጎና ጎኒ የካይዶ ዝነበረ ትምህርቲ PhD ሚድያታት ኣብ ምጥያሽ ፣ ሞያዊ ደገፍ ኣብ ምግባርን ፣ ድምፂ ንዘይረኸቡ ወገናት ድምፂ ብምዃን ኹናት ፅንተት ትግራይ ዓለም ክፈልጦ ናይ ባዕሉ ኣበርክቶ ኣዕሪፉ እዩ።

ጋዜጠኛ ታደሰ ሚዛን ኣብ ውልቃዊ ህይወቱ ምስ ብዙሓት ሰባት ብቁውም ነገር ብምልውዋጥን ፣ ባህሊ ንባብ ንምዕባይን ይሕግዝ ከም ዝነበረ ይፍለጥ። ብፍሉይ መንበብቲ ካብ ዝበሃሉ ሰባት ውን ይምደብ ነይሩ።

ጋዜጠኛ ታደሰ ሚዛን ብዝሓደሮ ናይ ሓፂር እዋን ሕማም ሂወቱ ከምዝሓለፈ ፍልፍላት ላዛ ትግርኛ ኣረጋጊፆም ኣለው።

ላዛ ትግርኛ ንመላእ ስድራን ፈተውቱን ፅንዓት ንምነ!

    ላዛ ትግርኛ 

03 ሓምለ 2017 ዓ.ም
መቐለ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *