Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ዜናታት ትግራይ

★ ብዘለና ከቢድ ሕፅረት ፅሩይ መስተ ማይ ንዝተፈላለዩ ማሕበረ ቑጠባዊ ፀገማት ንቓላዕ ኣለና ክብሉ ነበርቲ ወረዳ ስለዋ ጣብያ ፋና ገሊፆም።

ምምሕዳር እታ ወረዳ ብወገኑ እቲ ፀገም ከምዘሎ ብምእማን ነቲ ፀገም ንምፍታሕ ድማ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ተዋዲዱ ይሰርሕ ምህላዉ ኣፍሊጡ።

★ ኣብ ወረዳ ጋንታ ኣፈሹም ጣብያ ሳሱን ቤተ ሃዋርያት ዝርከቡ ነበርቲ ካብ ከተማ ዓዲግራት ንመቐለ ኣብ ዝወስድ ዋና መስመር መንገዲ ዝርከብ መሰጋገሪ ድልድል ብምፅባቡን ብደለል ብምምልኡን በቢ ክረምቱ ንሓደጋ ውሕጅ ይቃልዑ ከምዘለዉ ብመረረት ገሊፆም።

ዝምልከቶም ኣካላት ብወገኖም ነቲ ፀገም ንምቅላል ጊዚያዊ መፍትሒ ንምሃብ ከምዝንቀሳቐሱ ኣረዲኦም።

★ ኣብ ትግራይን ድሕሪ ዘጋጠመ ኣዕናዊ ኲናት ናብ መኣዲ ትምህርቶም ተመሊሶም 12 ክፍሊ ትምህርቶም ክከታተሉ ዝፀንሑ ተፈተንቲ ኻልኣይ ዙር ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ብኦንላይንን ብወረቐትን ፈተና ክውሃብ እዩ።

ተፈተንቲ ተምሃሮ ድማ ኣብ ቐረበኦም ኣብ ዝርከባ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ኣብ ምእታው ከምዝርከቡ ተፈሊጡ ኣሎ።

★ ኣብ መዋእል ታሪኹ ህዝቢ ትግራይ ካብ ዘጥረዮም ዓበይቲ ክብርታት ንኹሎም ፈተንቲ መድረኻት ብሓድነትን ስምረትን ስዒርካ ምሕላፍ ምዃኑ ብተደጋጋሚ ዝግለፅ እዩ።

እዚ ዘመን ተሳጋሪ ክብሪ ኣብዚ ዘመን ንዘጋጠሞ ኲናት ጀኖሳይድን ዘካየዶ ቓልሲ ህልውናን ዘርኣዮ ፅንዓት፣ ሓድነትን ስምረትን ብኣብነት ዝጥቀስ እዩ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *