ኣብ ልዕሊ ዘለዎም ከቢድ ጥምየት ኣብ ስደት ዝተተሓዙ ደቆም ንምፍታሕ ሚልዮናት ብር ይሕተቱ ከምዘለው ነበርቲ ወረዳ ጉለመኸዳ ገሊፆም፡፡
ኣብ ወረዳ ጉለመኸዳ ዘይሕጋዊ ስደት መናእሰይ ኣብ ዘተሓሳስብ ብርኪ በፂሑ ከምዝርከብ ድማ ቤት ፅሕፈት ጉዳይ ሰራሕተኛ ተሳትፎን ተጠቃምነትን ሕብረተሰብ እታ ወረዳ ኣፍሊጡ፡፡
ንድሕንነት ክበሃል ስማ ዘይተገለፀ ነባሪት ከተማ ፋፂ 23 ዕድመኡ ውላዳ ታሕሳስ 2013 ዓ/ም ትምህርቲ ኣቋርፁ ብዘይሕጋዊ ስደት ካብ ዓዱ ከምዝወፀ ትገልፅ፡፡ ወዳ ኣብ ልብያ ምስበፅሐ ተተሒዙ ንልዕሊ ሰለሰተ ዓመታት ከምዝተኣሰርን ንዕኡ ንምፍታሕ ድማ ኣብ ልዕሊ ዘለዋ ፀገም ለሚናን ተለቅሓን 250 ሽሕ ብር ከምዝኸፈለትን ሐዚ እውን ኣብ ከቢድ ስቃይ ከምዝርከብን ትዛረብ፡፡
ካልእ ነበሪት ከተማ ፋፂ ዝኾነት ኣደ ብወገና 17 ዕድመኡ ውላዳ ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ከምዝተሰደተ ትዛረብ፡፡ ብተመሳሳሊ ንሱ እውን ኣብ ልብያ ምስ በፀሐ ከምዝተተሓዘን ውላዶም ንምፍታሕ ስድራ ኣብ ልዕሊ ዘሎ ጥምየት ሓደ ሚልዮን ብር ክኸፍሉ ከምዝተሓተቱን ትገልፅ፡፡
ነዚ ስዒቡ ኣብ መነባብሮአን ከቢድ ማሕበረ-ቁጠባውን ስነ ልቦናውን ቅልውላው ከምዝበፀሐን ዝገለፃ እዘን ኣዴታት ዘይሕጋዊ ስደት መናእሰይ ኣብቲ ዝስደት ወገን ኮነ ሕብረተሰብ ዝኸፈኣ ፀገም ይፈጥር ከምዘሎ ይዛረባ፡፡
ብተወሳኺ እውን እዘን ኣዴታት እቲ ዘሎ ዝተጋደደ ዘይሕጋዊ ስደት መናእሰይ ንምንካይ ወለዲ ደቆም ካብ ስደት ክቑጠቡ ብዝግባእ ክምዕዱን መንግስቲ እውን መናእሰይ ዕድል ስራሕ ዝረኽብሉ ባይታ ክፈጥርን ይፅውዓ፡፡
ኣብ ወረዳ ጉለመኸዳ ዘሎ ዘይሕጋዊ ስደት መናእሰይ መበገስኡ ጥምየትን ስእነት ስራሕን ከምዝኾነ ዝሓበሩ ተወካሊ ቤት ፅሕፈት ጉዳይ ሰራሕተኛ ተሳትፎን ተጠቃምነትን ሕብረተሰብ እታ ወረዳ ኣይተ ሃፍቶም ገ/ሂወት ኣብ ዝሓለፉ 3 ዓመታት ጥራሕ ልዕሊ 350 መናእሰይ ግዳይ ዘይሕጋዊ ስድት ከምዝኾኑ ይገልፁ፡፡
እቲ ዘሎ ዘይሕጋዊ ስደት ንምንካይን ኢሉ እውን ጠጠው ንምባልን ምምሕዳር እታ ወረዳ ይሰርሕ እኳንተሃለወ ናይ ኩሉ መድረግቲ ኣካላት ዝተዋደደ ስራሕ ከምዝጠልበ ድማ ኣይተ ሃፍቶም የተሓሳስቡ፡፡
