Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ዘይሕጋዊ ስደትን ፍልሰትን መናእሰይ ጠጠው ንምባል ኩሉ ክረባረብ ከምዝግባእ ተገሊፁ።

ምምሕዳር ከተማ ሽራሮ ኣብታ ከተማ ንዝረአ ዘሎ ዘይሕጋዊ ስደትን ፍልሰትን መናእሰይ ጠጠው ንክብል ዓሊሙ ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት መድረኽ ዘተ ኣሳሊጡ።

ኣብቲ መድረኽ ልዕሊ 400 መናእሰይ፣ ዓበይቲ ዓዲ፣ መራሕቲ ሃይማኖትን ካልኦትን ዝተሳተፉ ኾይኖም፣ ኣብቲ ከባቢ ዝረአ ዘሎ ዘይሕጋዊ ስደትን ፍልሰትን መናእሰይ ጠጠው ንክብል ኩሉ ክረባረብ ይግባእ ኢሎም።

ዛጊድ ልዕሊ 45 መናእሰይ እታ ከተማ ግዳይ ዘይሕጋዊ ስደት ከምዝኾኑን ካብዚኣቶም እቶም 3 ንሞት እንትሳጥሑ እቶም ዝተረፉ ድማ ብካራ እናተፈራረሑ ልዕሊ 9 ሚኢቲ ሽሕ ብር ክፈሉ እናበሉ ንወለዶም የፈራርሕዎም ከምዘለዉ ከንቲባ ከተማ ሽራሮ ኣይተ ሙሉ ብርሃነ ሓቢሮም።

ብሓፈሻ ዘይሕጋዊ ስደትን ፍልሰትን መናእሰይ ንምዕጋት ወለድን ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላትን ክረባረቡ ምምሕዳር እታ ከተማ ፀዊዑ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *