Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
Americaትንተና/Analysis
0

ዘየላጢ መሪሕነት ዝደሊ እዋንሙሉጌታ ገብረእግዚኣብሄር፣ ፕሮፌሰርሓምለ 15፣ 2016

ለማቕነ ኣብ ኣሜሪካ ናይ መረፃ ጐስጓስን ኮንፈረስን ዝካየደሉ ግዘ እዩ። እቲ ኮንፈረንስ መሪሕነት ዝወስዱ ውልቀሰባት ዝንፀረሉን፣ ናይ ፓርቲ መወዳደሪ ፕላትፎርም ዝፀድቀሉን እውን እዩ። እዚ ብምግቫር ከዓ ኣብቲ ውድብ ውሽጣዊ ሓድነት ዝጠናኸረሉ፣ ኩሉ ከዓ ነቲ ንመሪሕነት ዝተሓረየ ስብ ድጋፍ ንምሃብን ንተዓዋትነቱ ሓገዝ ንምግባርን ቃል ኪዳን ዝኣትወሉ ግዘን መድረኽን እዪ።

ካብኡ ሓሊፉ ዶናልድ ትራምፕ ካብ መቅተልቲ ዝተረፈሉ፣ ጆ ባይደን ከዓ ካልኣይ ተርም ምውድዳር ይኣኽለኒ ኢሉ ካብቲ ዝቕፅል ወለዶ ዝኾነት ምክትሉ ካማላ ሃሪስ ንክትወዳደር እቲ ዕድል ዘመሓለፈሉ ወቅቲ እዪ። ቆራፅ መሪሕነት፣ ተባዕን ሓልዬት ዝተመልኦን ውሳነ ዝተረኣየሉ ወቅቲ እዪ። ጆ ባይደን እውን ካብ ባዕሉ ንህዝቡን ሃገሩን ዘቐድም መንነት እተጐናፀፈ ዘየላጢ፣ ውፋይ፣ መራሒ ተባሂሉ ይውደስ ኣሎ፣ ታሪኽውን እናዘንተዎ ክነብር እዪ። አነውን ሓበነይ ብትዊት ገሊፀ እየ።

ብተነፃፃሪ ኣብ ትግራይ ከዓ፣ ካብ ከቢድ ፅንተታዊ ዂናት መሊኡ ዘይወፀ ህዝቢ፣ ሚልዬናት ኣብ መዓስከር እናነቨሩ፣ ብጥሜት እናተሓንዘፉ፣ ካብ ቀይዲ ወረርቲ ከይተናገፉ ፣ ብዘሕዝንን ዘተዓዛዝብን መልክዑ፣ መሪሕነት ትግራይ (እቲ ወሳኒ መሪሕነት ኣብ ሕወሓት ሰለዘሎ) ኣብ ጐይቂ፣ ምጥልላፍ፣ ተጐጂልካ ምጥቅቓዕ ከምዘሎ ዝሰመዓሉን፣ ነቲ ዘሎ ኩነት ግልፂ ዝገብር ውድባዊ መግለፂ ዘየወሃበሉ፣ እቲ ኣብ ቀረባን ርሑቖን ዘሎ ማሕበረሰብ ኣብ ሻቕሎት ዘእተወ ወቕቲ ኣለና።

ተስፋ ብዝህብ መልክዑ ከዓ፣ ኣዋርሕ ዝወሰደ ኣኬቫን ገሞጋምን ተጌሩ ነቲ እናተርኣየ ዝፀንሐ ሕመቕን ጉድለት ሰትራተጂካዊ መሪሕነት ንምብዳህ፣ ሕወሓት ካድረታታ ኣኪባ ንቐፃሊ ኣንፈት ዘትሕዝ ውሳነውን ብድምፂ ዝተወሰነሉ ወቕቲ እዪ። ነዚ ኣመልኪቱውን መግለፂ ወፂኡ። ኮንፈረንስ ክንገብር ኢና እውን ተባሂሉ። ኮንፈረንስ ከዓ መሪሕነት ዝምዘዘሉን ኣንፈት ፓለቲካ ትግራይ (ብዓይኒ ሕወሓት) እንታይ ይዂን ተባሂሉ ዝውሰነሉ መድረክ እዩሞ ተስፋ ክንገብር እውን ዝገበረ እዪ።

ድሕሪ እዚ ውሳነ ዝስማዕ ዘሎ ዛዕባታት ግን ነቲ መስመሩ ዝሓዘ ዝመስልን ነቲ ጉባኤ ክካየድ ዝግበር ፃዕርን ከየተዓናቕፍ ስግኣት ክህሉ ዝገብር እዪ። ብድምፂ ብልጫ እተሳዕሩ፣ ሓሳብና ተዓፊኑ ዝብሉ ኣለው ብዝብል መበገሲ ብዙሕ ንህዝቢ ዘደናግር ሓሳብ ይውዛዕ ኣሎ። ንህዝቢ እውን የደናግርን የሻቕልን ኣሎ። ኣብ ከምዚ ዝበለ እዋን እዪ ዘየላጢ መሪሕነት ዘድሊ።

  • ብእዋኑ መልሲ ዝህብ፣
  • ካብ ውልቃዊ መዝነት ህዝቢን ዓድን ዘቐድም መሪሕነት።
  • ብድምፂ እተሳዕሩ እውን ናብ ሚድያ መፂኦም መብርሂ ዝህብሉ ኣካይዳ ዘመቻችው (ሚድያ ንኹሉ ክፋት ዝገብር)፣
  • እቲ ኣብ ሶሻል ሚድያ ዝውዛዕ መደናገሪን ናይ ቲፎዞ መልክዕ ዝሓዘ ፅሑፋት ዝፈጥሮ ምድንጋርን ምሽቓልን ክንኪ ዝገብር መሪሕነት፣ ዘየላጢ መሪሕነት።

ከይጠቐስክዎ ክሓልፍ ዘይደሊ፣ ዝተሓበንኩሉ ጉዳይ ኣሎ። እቲ መሪሕነትን ካድረን ኣኼቦኦም ብዘይ ካልእ ዓይነት ጐንፂ፣ ብሰላም ምውድኦም ዓቢ ውፅኢት እዪ። ኣብ ኣሜሪካ ጃንዋሪ 6፣ 2021 ዘጋጠመ ዕግርግርን ነውፅን ኣባና ከይተረኣየ ስልጡን መድረኻትን ክትዓትን ምክያዱ የሕብን። ኣብ ዲያስፓራ ትግራይ ኮይኖም ኢዶም ዘወጣውጡን፣ ፀፍ ጭልጥ ዝብሉ እውን እንተኾነ ኣብተን ዝውንንወን ድርጅታት ይዂን ዝመርሕወን ውዳበታት፣ ክንደይ ዝኣክል ዓፈናን፣ ኢዲሞክራሲያውነት ከም ዘሎ ሰለዝፈልጥ፣ እቲ ምሒር ነዊሕ ግዘ ወሲዱ (ንቐፃሊ ኣኼባ ከመይ ጌርካ ኢፍሸንት ይግበር ዝብል ሰልጠና የድሊ በሃሊ እየ) ዝተዛዘመ መድረኽ ከይነኣድኩ ክሓልፍ ኣይደልን።
ከም ምኽረሓሳብ (ዓሰርቱ ምክረ ሓው)
1፣ እቲ ጉባኤ ብዝተኻእለ ክፋት ተዝኸውን፣ ትራንስፓረንሲ፣
2፣ ተዓዘብቲ ካብ ኩሉ ክፋል ማሕበረስብ እንተዝህሉ፣ ዲያስፖራ ኣይትረስዑታ፣፡
3፣ መግለፂን መብሪህን በብግዚኡ ተዝወሃብ
4፣ ውልቃዊ፣ ውድባዊ፣ መንግስታዊ ስራሕትን፣ መግለፂታትን እናተፈላለዩ እንተዝቐርቡ
5፣ መሪሕነት ውድብ ዘለዎም ሃፍቲ ንህዝቢ ግልፂ እንተዝገብሩ፣ መስርሕ እንተዝተኣታቶ፣
6፣ ሕድሕድ መሪሕነት ካብ ማእከላይ ኮሚቴ ንላዕሊ ናይ ኮንፍሊክት ኦፍ ኢንተረስት ዲስክሎዠር ቅጥዒ (conflict of interest disclosure form) እንተዝመልእ፣ እቲ ፎርሚ ኣብ ምስራሕ ቴክኒካል ሓገዝ ምግባር ይከኣል እዪ።
7፣ እቲ ጉባኤ እንትጅመር፣ ጉባኤ ዝወሰኖ ክቕበል ድልው እየ ዝብል ናይ ቃለ ማሓላ ቅጥዒ ተዝዳሎ። ድምፂ ብምሃብ ኣብቲ ጉባኤ ዝሳተፍ ኩሉ እንተዝፍርሞ። ኣብቲ ሕገ ደንቢ እንድሕር ኣሎ ኮይኑ ዘይከድሊ ይኽእል እዪ።
8፣ እታ ውድብ ንኩሎም ወሎደታት ዝውክሉ ብቑዓት፣ ኣብ መድረኽ ወፂኦም ንመዝነትን መሪሕነትን ዝተሓረይሉ ብቕዓት ግቡእነት ኽገልፁ ዝፈቕዱ፣ ኣባል ሕወሓት እየ ንምባል ዘይስከፉ፣ ዘየላጢ መሪሕነት ዝህቡ፣ ክተምፅእ እላቮ።
9፣ ሴንተር ናይ ስትራተጂክ መሪሕነትን ውድድርን ( Center of excellence for strategic leadership and competition) ተተጣይሽ። እዚ ዘየላጢ መሪሕነት ኣብምፍራይ ዘለዎ ተራ ዕዙዝን ዝተመስከረሉን እዪ። ኣብ ናይ ሃርቫርድ ሴንተር መሰረት ጌረ ዝፀሓፍክዎ ፕሮፓዛል ከካፍል ይኽእል እየ።
10፣ ሽም እታ ውድብን ኣርማኣን፣ ምምሕያሽ ተዝግበረሉ። ምስቲ ሐዚ ዘሎ ዓለማዊ ተቐባልነትን፣ ካብቲ ንነዊሕ ግዘ ዝተስርሓሉ ፀለመ ሽምን ክውል ዘብል ገስጋአመሳይ ሽም ዘድሊ ይመስለኒ። ቁሩብ ሰጢጠ እንተኾይነ ይቕረታ ይሓትት።

ኣብ መወዳእታ እቲ ዝቕፅል መድረኻትውን፣ ሰላማውን፣ ዝሓሸ ዴሞክራሲያውነት ዝዓዘዞም ክኾኑ ተስፋይን ትምኒተይን ይገልፅ።

ካብ ትማሊ ሎሚ፣ ካብ ሎሚ ፅባሕ ዝሓሸት ትግራይ ንምህናፅ ንትጋህ!
Building Better Tomorrow Tigray (#BBT)

Note: this is my personal reflection written with the intention of contributing to a peaceful conclusion of the ongoing discourse about the past meetings and upcoming conference of the TPLF which is key to the stability of Tigray and the region as a whole. I am neither a member nor differential supporter of any political organization.
https://www.facebook.com/share/HBE2fYnRPDwjdrPg/?mibextid=WC7FNe

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *