ፕሬዚዳንት ትግራይ ኣይተ ጌታቸዉ ረዳ ምስ ቻንስለር ጀርመን ኦላፍ ሾልዝ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተራኺቦም ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ኣድሂቦም ከም ዝዘተዩ ኣብ ድሕረ ገፅ ትዊተሮም ሓቢሮም።
ቻንሰለር ጀርመን ኦላፍ ሾልዝ ኣብ ኣተገባብራ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ዝረአ ዘሎ ምዕባለ ከምኡ’ውን ንቐፃሊ ክመጽእ ዝኽእል ብድሆታት ብዝምልከት ብርክት ዝበሉ ጉዳያት ኣልዒሎም ከም ዝዘተዩ ፕሬዚዳንት ጌታቸዉ ረዳ ሓቢሮም።
ኣብ ጉዳይ ምምላስ ተመዛበልቲ፣ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ፣ ጀርመን ንሰላምን ምርግጋዕን ዝገበረቶ ደገፍን ንዳግመ ሕዉየትን ዳግመ ህንፀትን ትግራይ ኣብ ዝግበር ጻዕርታት ንምድጋፍ ዘለዋ ድልውነትን ካብቶም ዝተልዓሉ ነጥብታት ምዃኖም ኣፍሊጦም።
እቶም ቻንስለር ምስ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንምዝታይ ዝገበርዎ ዕድመ ኣመስጊነ ኣለኹ ዝበሉ ፕሬዝዳንት ጌታቸዉ ረዳ ንሰላም ዘለዎም ቅርቡነት ደጊሞም ኣረጋጊፆም ።
ብተወሳኺ ድማ ምስ መንግስቲ ፌደራል ኣብ ምፍታሕ ብድሆታት ሰላም እቲ ዞባ ብቐረባ ክንሰርሕ ምዃና ክነረጋግፅ ንፈቱ ክብሉ ፕሬዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸዉ ረዳ ኣገንዚቦም።
ምንጪ፥ ትግ ቲቪ
