Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ዘተ ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ምስ ነበርቲ ወረዳ ኣፅቢ

ኣብ ከቢድ ጥሜት ዝርከብ ህዝብና ንምድሓን ዝካአለና ኩሉ ዓቕሚ ኣዋዲድና ክንሰርሕ ኢና ኢሎም ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ፡፡

ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ብድርቂ ዝተጠቅዑ ነበርቲ ወረዳ ኣፅቢ ተዘዋዊሮም ተዓዚቦም፡፡

ብሰንኪ ደርቂ ንጥሜትን ሞትን ተቓሊዕና ሕሱም ናብራ ነሕልፍ ኣለና ዝበሉ ነበርቲ ወረዳ ኣፅቢ መንግስታዊ ኣካላትን ገበርቲ ሰናይን ብህፁፅ ክበፅሑልና ይግባእ ኢሎም፡፡

ልዕሊ 82 ሽሕ ነባራይ ወረዳ ኣፅቢ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ከም ዝርከብ ዝገለፁ ዋና ኣማሓዳሪ እቲ ወረዳ ኣይተ መዝገበ ግርማይ እዚ ህዝቢ ንምድሓንን ደገፍ ክግበር ፀዊዖም፡፡

ብተወሳኺ ድማ ብስንኪ ጥሜት 8 ኣብያተ ትምህርቲ አብ ምዕፃው ከም ዘርከባ ከም ዘለዋ ገሊፆም፡፡

እዚ ህዝቢ ብስንኪ ጥሜት ከቢድ ሰቓይን ሞትን እናሕለፈ ከም ዝርከብ ዝገለፁ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ከም መንግስቲ ብዝረኸብናዮ ዓቕሚ ዝካአለና ኩሉ ክንሕግዝ ኢና ኢሎም፡፡

እዚ ህዝቢ ንልዕሊ 4 ዓመት ፍርያት ዝራእቲ ዘይረኸበ ህዝቢ ምዃኑን ሂወት ህዝብና ንምድሓን ናይ ኩሉ ዓቕሚ ኣዋዲድና ብምትሕግጋዝ እዛ እዋን ክንሓልፋ ይግባእ ዝበሉ ፕረዚደንት ጌታቸው ኣብ ከቢድ ጥሜት ዝርከብ ህዝብና ንምድሓን ዝካአለና ኩሉ ዓቕሚ ኣዋዲድና ክንሰርሕ ኢና ኢሎም ፡፡

ካብ ነበርቲ ወረዳ ኣፅቢ ጣብያ ፈለገ ሂወት ዝተልዓለ ሕቶ መሰረተልምዓት ድማ ብቐፃልነት ንምፍታሕ ከም ዝስራሕ ገሊፆም፡፡

ብተወሳኺ ድማ ብበዓል ሃፍቲ ቦኹረ ትጉሃን ክፍለማርያም ክንደያ ኣብ ወረዳ ኣፅቢ ጣብያ ፈለገ ሂወት ብልዕሊ 400 ሚልየን ዝተሃነፀ መፃረይን መዐሸግን ፋብሪካ ማይ ረዊና ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ተዘዋዊሮም ተዓዚቦም እዮም፡፡

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *