ፕሬዝደንት ጌታቸው ረዳ ኣብ ከተማ ማይጨው ምስ ወከልቲ ኣብ ትሕቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝርከባ ከትማታትን ውረዳታትን ዞባ ደቡብ ትግራይ ዘትዮም፡፡
ኣብቲ መድረኽ ብተሳተፍቲ ዝተፈላለዩ ሕቶታት ዝቕረቡ ኮይኖም ብፍላይ ኣብ ኣተገባብራ ውዕሊ ፕሪቶርያ ፣ ምምላስ ተመዛበልትን ምውሓስ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይን ውህደት መሪሕነት ትግራይ ዘሎ ኩነታት እንታይ ከም ዝመስልን መብህርሂ ክወሃቦም ሓቲቶም።
ብተወሳኺ እውን ሉኣላዊ መሬት ትግራይ ከይመለስካ ናይ ህዝብካ ጭቡጥ ፖለቲካዊ ሃዋህው ማእኸል ዘይገበረ ኣዋርሓት ዘቑፀረ ኣኼባ ምክያድ ነቲ ብተደራራቢ ሰብ ስራሕን ተፈጥሮኣዉን ፀገማት ንኣደዳ ሕማምን ሞትን ተሳጢሑ ዘሎ ህዝቢ ትግራይ ኣይምጥንን ዝበሉ እቶም ተሳተፍቲ ውዕሊ ፕሪቶርያ ከይፍፀም ዘዐንቅፍ ዘሎ ሓይሊ ብንፁር ንህዝቢ ክንገርን ኣብዚ መዳይ መሪሕነት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ነቲ ውዕሊ ምስ መንግስቲ ፌደራል ዝተፈራረመ ውድብ ህውሓትን ተናቢቦም እቲ ውዕሊ ክፍፀም ዝፈጥርዎ ዘለው ሓድነታዊ ቃልሲ ግልፂ ኣይኮነን ዝብሉን ካልኦትን ሕቶታት ካብ ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ተላዒሎም ፡፡
ነቶም ሕቶታትን ሪኢቶታትን ኣመልኪቶም መልሲ ዝሃቡ ፕሬዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ከም ግዝያዊ ምምሕዳር ይኹን ውድብ ህውሓት ናይ ህዝብና ተደራረብቲ ማሕበረ ቁጠባዊ ፀገማት ንምፍታሕ ዝወሰድናዮ ጭቡጥ ፖለቲካዊ መፍትሒ ድኹም እዩ ድሕሪ ምባል ውዕሊ ፕሪቶርያ መሊኡ ከይትግበር ብወገን መንግስቲ ፌደራል ዘሎ ፀገም ዝዓበየ እኳ እንተኾነ ከም ግዝያዊ ምምሕዳርን ውድብ ህውሓትን ተወዲብና ዘይምምራሕና ህዝብና ናብ ዝኸፈአ ፀገም ኣሳጢሕናዮ ኢና ኢሎም፡፡
ካብዚ ንላዕሊ ህዝብና ነዋርደሉ ኩነታት ክንፈጥር የብልናን ዝበሉ ፕሬዝደንት ጌታቸው ረዳ እንካይዶም ዘለና ኣኼባታት ሕቶ ህዝቢ ትግራይ ግቡእ ምላሽ ንክረክብ ብምሕሳብ እዩ ድማ ኢሎም፡፡
