Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ዘለናዮ መድረኽ ፈታንን ሕልኽላኻት ዝበዝሖ እንተኾነውን ከም ህዝቢ ሓደ ኾይንና ሓድነትና ብምስጣም ክንሰግሮን ኢና – ፕረዝደንት ጌታቸው ረዳ

                       

ዶክተር ዘርኡ ገብረሊባኖስ ኣብ 7 ዞባታት ትግራይ ኣብያተ ትምህርቲ ክሃንፁ 350 ሚሊዮን መዲቦም ምንቅስቃስ ከም ዝጀመሩ ዝፍለጥ ዩ።

ሎሚ ድማ ፕረዚደንት ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ወረዳ ደጉዓ ተምቤን ጣብያ ሰረት ቁሸት ማርያም ቆራር ተረኺቦም እምነ ሰረት ኣንቢሮም ኣለው።

ኣብቲ እዋን ዘረባ ዘስምዑ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብ ፅባሕ ብሄራዊ ሓዘን ኮይንና ነካይዶ ዘለና መድረኽ ዩ ፣ ግን ድማ ክንሓዝን ዘይኮነስ ሰማእታትና ብልምዓት ክንድብሶም ስለ ዝግባእ ኣብዚ ተረኺብና ኣለና ድሕሪ ምባል ፣ ዘለናዮ መድረኽ ፈታንን ሕልኽላኻት ዝበዝሖን ብምዃኑ ከም ህዝቢ ሓደ ኾይንና ሓድነትና ብምስጣም ክንሰግሮን እንደልያ ትግራይ ክንሃንፃ ን ኢና ኢሎም ። ንዶክተር ዘርኡውን ኣመስጊኖም ዮም።

ዶክተር ዘርኡ ገብረሊባኖስ ብግደኦም ህዝቢ ትግራይ ብዙሕ ነገሩ ዝሃበ ህዝቢን ብዙሕ ነገር ክግበረሉ ዝግባእ ምዃኑን ንቐፃሊ ውን ኣብ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ልምዓት ብሓደ ከም ዝሰርሑ ተዛሪቦም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *