ኣቦ-መንበር ህወሓት ዶ/ር #ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ኣብ ዝሃብዎ መጠቓለሊ ሓሳብ ክዝቲ ዝወዓለ ናይ ሎሚ ቅድሚ ሰዓት መድረኽ ገምጋም ካድረታት ህወሓት ብፀረ ዴሞክራሲያዊ ተዓብሊሉ ዉዒሉ::
ትካላዊ ኣሰራርሓ ጥሒሱ ንዓመታት ዝመርሐን ሕዚ’ዉን ዝመርሕ ዘሎን ድምር ኣመራርሓ ህወሓት ብተደጋጋሚ ” ትካላዊ ኣሰራርሓ ህወሓት ኣየኽበርካን ክተኽበር ኣለካ ” እናበለ ብግልፂ እናነቐፈን ቅዋሙ ብፅሑፍ ብግልፂ እናቐመጠን ፀቕጢ እናገበረን ንዝመፀ ኮምሽን ቁፅፅር ህወሓት ዝመርሕ ዘሎ ተጋዳላይ #ተኽለብርሃን ኣርኣያ ደብረፅዮን ኣብ ዝሃቦ መጠቓለሊ ሓሳብ ሪኢትኡ ክገልፅ ብዴሞክራሲያዉ መንገዲ እንተሓተተ’ዉን ደብረፅዮን ዕድል ክህቦ ኣይከኣለን::
ንትካል ኮምሽን ቁፅፅር ህወሓት ንዝመርሕ ሰብ ዕድል ምኽላእ ንዉልቀሰብ ምኽላእ ዘይኮነ ንህወሓት ንዝቆፃፀር ኣካል ምኽላእ እዩ:: ንምንታይ?
ከምዝፍለጥ ንትካላዊ ኣሰራርሓ ዝቆፃፀር #ኮምሽን ቁፅፅር ዓርሱ ዝኸኣለን ካብ ኢድ ኣእታዉነት ማ/ኮ ህወሓት ነፃን’ዩ:: ስለዝኾነ ኮምሽና ነዚ ተነፃፃሪ ነፃነቱ ብምጥቃምን ኣብኡ ብዘለዉ ስብእነኦም ዝሓለው ኣመራርሓን ምስ ዝኾነ ጉጅለ ከይወገኑን ብናይ’ማን ንህወሓት ብምጥባቕን ንኣካይዳ ኣመራርሓ ህወሓት ከምዘይቅበልን ሕዚ’ዉን ብዙሓት ዘይተኣረሙ መሰረታዊ ግድፈታት ከምዘለዉን ቅዋሙ ኣቐዲሙ ገሊፁ’ዩ::
እዚ ቅዋም ኮምሽን ቁፅፅር #ህወሓት ንመጠቓለሊ ሓሳቡ ከየፍርሰሉ ብምስጋእ ድማ እዩ ዶ/ር ደብረፅዮን ንመድረኽ ናይ ምምራሕ መሰሉ ብምጥቃም ተ/ብርሃን #ኣርኣያ ዕድል ዝኸልኦ ::
ኣቦ-መንበር ኮምሽን ቁፅፅር ህወሓት ተጋዳላይ ተኽለብርሃን ኣርኣያ መጨረሻ ከምዚ ኢሉ ” ኣብዙይ #ድምፅና ተተዓፈነ ሓሳብናን ቅዋምናን ብኻሊእ ነፃ ሚድያ ኽነቃልዖ ኢና !” ብምባል ተቓውምኡ ገሊፁ::
ዛጊድ ሕጋዊ ኣፍልጦ ዘይመለሰ ጉጅለ ኣመራርሓ ህወሓት ሕዚ ድማ ንቅዋም ኮምሽን ቁፅፅር ከም ጓና ንጎኒ ገዲፉ እንተኸይዱ” ኣብ ርእሲ ሕፈሰን…” ከምዝበሃል ዘይሕጋዉነቱ ብዉሽጥን ብደገን የረጋግፅ ከምዘሎ ክፍለጥ ይግባእ:: ሳዕቤኑ ድማ ግልፂ እዩ::
ትካል ንዝመርሕ ተ/ብርሃን ብኣብነት ጠቒሰ’ምበር ዶር ደብረፅዮን ” ኣንፃረይ ሓሳብ ዝህቡ’ዮም ” ንዝበሎም ኣባላት ማእከላይ ኮሚቴን ካድረታትን ዕድል ብዘይምሃብ ዓፊኑ’ዩ ዉዒሉ:: ብግልባጡ ንዝድግፍዎ ጥራሕ ዕድል እናሃበ ዉዒሉ:: ፀረ-ዴሞክራሲያዉነት ዓብሊላ ውዒላ: : ድሕሪ ሰዓት ከመይ እዩ ክቕፅል ክንሪኦ: :
ንምጥቕላል ግን ኣብዚ ወሳኒ ምዕራፍ ንናይ ባዕሉ ሕጋዉን ላዕለዋይ ተቖፃፃርን ትካል ኮምሽን ቁፅፅር ንዝመርሕ ፅሩይ ወያናይን ሓቀኛን ህዝባዉን ተጋዳላይ ዕድል ዝኸልአ ” ተጋግዩ ዘይደኽሞ ” ዝተብሃለ ኣቦመንበር ህወሓት ንሱ ዝደልዮ ሓሳብ ጥራሕ ከደምድምን ሓሳቡ ከይፈርሶን ንምንታይ ሰጊኡ ? ሓሳብ ከይሸራሸር ንምንታይ ዓፊኑ ? ሓሳብ ብምዕፋን ድዩ ህወሓት እትድሕን ? መወዳእታ ዘይብሉ ጌጋ ዝፍፅምን ምምሕያሽ ዘይጠብቆን ኣመራርሓ ህወሓት ብናእማን ኣብቂዑ’ዩ! ፀንቂቑ’ዩ ! ከምቲ ትማሊ ጌታቸው ረዳ ዝበሎ ” ኣመራርሓ ህወሓት ኣብቂዑ’ዩ ንመናእሰይ ኣረኪቡ ክወርድ ይግባእ !”
