Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
1

ዕለታዊ ዋና ጥብታት ዜና +ትግራይ ፡ ኢትዮጵያ ፡ ሱዳን ፡ ጃፓን

7- 8-2015 ዓ/ም

ትግራይ

  1. ደመውዝ፡ ናይ ሰራሕተኛ መንግስቲ ናይ ክልተ ዓመት ደመወዝ ከም ዝክፈል ኣይተጌታቸው ረዳ ሓቢሩ፡፡ ዝክፈለሉ እዋን ግን ብውዕሊ ኣይተነፀረን፡፡
  2. ሓገዝ፡ ኣብ ስራኤል ዝነብሩ ተወለድቲ ራያ ብኣስታት 2 ሚልዮን ብር ዝተዓደጉ ኣውዕር ንሰራዊት ትግራይ ሓገዝ ኣበርኪቶም፡፡
  3. ሓገዝ መፃሕፍ፡ ማሕበር ልምዓት ዓድዋን ከባቢኣን ቤተ ንባብ ዓድዋ ንምጥንኻር ኣስታት 400 መፃሕፍቲ ብሓገዝ ኣበርኪታ፡፡ ዝዓነወ መሰረተ ልምዓት ትምህርቲ ንምህናፅ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ኩሉ ብፅሒቱ ክፍፅም ከምዝግባእ ቤት ፅሕፈት ትምህርቲ ከተማ ዓድዋ ፀዊዑ፡፡
  4. ምፍታሕ እሱራት፡ ካቢኔ ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኡስራት ክፍቱሑ ወሱኑ ፡፡ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ምቁራፅ ምፅራይ ክሲ፣ክሲ ምልዓልን ይቕሬታ ምሃብን ኣመልኪቱ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ እሱራት ከምዝፍትሑ ዝገለፁ ሓላፊ ቢሮ ፍትሒ ትግራይ ዶ/ር ሓዱሽ ተስፋ ብገበን ቅትለት፣ ዓመፅ ደቂ ኣንስትዮ፣ ከቢድ ምጉዳል ኣካል፣ ምስ ሓይልታት ደገ ርክብ ስለላ ዘለዎም፣ ብዕንወት ንብረትን ሞት ዝተፈረዶምን ግን ኣብ ቤት ህንፀት ከምዝፀንሑ ኣፍሊጦም፡፡
  5. ምረቓ መፅሓፍ ፡ ሃይማኖታውን ታሪኻዊን ትውፍት ስርዓተ ቀኖናን ዶግማን ቤተ ክርስትያን ትግራይ ዝተሰነደት ’’ መፅሄተ ፅድቅ ’’  ኣብ ከተማ መቀለ ተመሪቓ ፡፡
  6. ዓለምለኸ ትኹረት ንሰብኣዊ መሰል፡ ኮሚቴ ምክልኻል ኢ-ሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ዉድብ ሕቡራት መንግስታት ካብ ሚያዝያ 17 ክሳብ ግንቦት 12/2023 ኣቆፃፅራ ፈረንጂ ኣብ ዘካይዶ ኣኼባ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኮሎምቢያ፣ ብራዚል፣ ሉክዘምበርግ ፣ ስሎቫኪያን ካዛኪስታን ዘሎ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ከም ዝግምግም ቤት ፅሕፈት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል እቲ ዉዱብ ኣፍሊጡ ።

ኢትዮጵያ

  1. ናይ ኢፌዴሪ ጦር ኃይሎች ጠቅላይ ኢታማዦር ሹም ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ፀጥታ መግለፂ ሂቦም። ድሕሪ ምክንባት ኲናት ትግራይ ናይ ክልላት ፍሉይ ሓይሊ ኣድላይ ኣይኮነን፡፡ ናይ ኢትዮጵያ ህዝቢ ሕቶ ፍሉይ ሓይሊ ዝበሃል ክፈርስ ከምዘለዎ ምኳኑ እዩ፡፡ ኣብ ኣምሓራ ክልል ተወሊዑ ዝነበረ ጎነፅ ከምዝቃሃመ ገሊፆም፡፡ ፍሉይ ሓይሊ ዝበሃል ከምዘይሁ ገሊፆም፡፡
  2. ጽንፈኛ ሓይልታት ኣምሓራ ሊሂቃን ዝጀመርዎ ኣንጻር ትግራይን ተጋሩን መረዚ ሓዘል ሓሳብ  ምስርጫው ቀጺለምሉ ይርከቡ፡፡ ኣብ ሕደሕድ መገለፂኦም  ንተጋሩ ዘጸልምን ዝንፅልን ፕሮፖጋንዳ ካብ ምርጫው ኣይተቆጠቡን፡፡ እንደርጋቸው ፅጌ ዕደመ ልኩዑ ንህዝቢ ትግራይ ናይ ፅልኢ መርዚ ክዝነዝሕ ዕድሚኡ ዝዓረቦ ፣ ሐዚ እወን ተጋሩ ኣብ ኢትዮጵያ ብሰላም ከይነብሩ ዝጉስጉሱ መርዚ ሓዘል ጹሑፋት ብተደጋጋሚ የውጽእ ምህላው ተመልከቲ ኣግራሞት ኮይኑ ይርከብ፡፡  

ዓለም

  1. ሱዳን፡ ኣብ ሱዳን ሓያል ኲናት ኣብ መንጎ ክልተ ሓያላት ተነሓናሕቲ ስልጣን ጀነራላት ኣብ ከትማ ካርቱም ይካየድ ኣሎ፡፡ እቲ ኲናት ጠ/ሚ ኣብዩ ኣሓመድ፣ ጌታቸው ረዳ ከምኡ ውን ማሕበረሰብ ዓለምን መራሕቲ ኣፍሪካ ይኩንንዎ ኣለው፡፡ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ስዑዲ ዓረብ፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ኣመሪካን ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ሱዳን ብተሌፎን ከምዝተዘራረቡ መንግስታዊ ማዕከን ዜና ስዑዲ ዓረብ ሓቢሩ።
  2. ጃፓን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ጃፓን ፉሚዮ ኪሺዳ፡ ትኪ ቦምብ ዝመስል ቦምባ ድሕሪ ምድርባዩ፡ ካብ ህዝባዊ ፍጻመ ከይተጎድአ ኣምሊጡ። መደረ ንምስማዕ ኣብ ዝእድነሉ ዝነበረ ቦታ ሓደ ሰብኣይ ከምዝተኣሰረ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን። ሓደ ምስክር፡ ሓደ ሰብ ገለ ነገር ክድርቢ ከምዝረኣዩን፡ ድሕሪኡ ትኪ ከምዝረኣዩን፡ ካልእ ድማ ዓቢ ምፍንጃር ከምዝሰምዑን ገሊጹ። ዝኾነ መጉዳእቲ ከምዘይበጽሐ ተገሊጹ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

One thought on “ዕለታዊ ዋና ጥብታት ዜና +ትግራይ ፡ ኢትዮጵያ ፡ ሱዳን ፡ ጃፓን”

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *