Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ዓወት 20 ጉንበት ንወለዶ ዝነብር ዓወት ስለዝኾነ ደቂ ስውኣት ክስንድዎን ክትንትንዎን ከምዝግባእ ተገሊፁ።

እዚ ዝተገልፀ ዓወት 20 ጉንበት “ክብርታት 20 ጉንበት ንሓድነት፣ ውሑስ ሰላምን ሕውየት ህዝብናን” ብዝብል መሪሕ ቃል ኣብ ዝተኸበረሉ እዋን እዩ።

ነዚ ዝገለፀ ኣብቲ በዓል ተረኺቡ መዛተዩ ፅሑፍ ዘቕረበ ተጋዳላይ ወልደስላሰ ወልደሚካኤል እዩ። ዓወት 20 ጉንበት ዝዝከር ህዝቢ ትግራይ ኣብ 20 ክ/ዘበን ውሑድ ህዝብን ብቑጠባ ዝተሃስየን ኮይኑ እናሃለወ ካብ ኣፍሪካ ንዝዓበየ ወታደራዊ ሓይሊ ዝወነነን መሻርኽቱን ስለዝሰዓረ ምዃኑ ተጋዳላይ ወልደስላሰ ሓቢሩ።

ከም ውፅኢቱ ድማ ወፅዓ ተወጊዱ ብመዳይ ቁጠባ ደቂ ኣንስትዮን ውፁዕ ሓረስታይን ዋንነት መሬት ኣረጋጊፁ፤ ሕገ መንግስቲ ክፀድቕ ኣኽኢሉ እዩ። ከም ዓዲ ድማ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያዊ ዓወት ተረኺቡ ናብ ልምዓት ክንኣቱ ዝኸኣልናሉ እውን ምዃኑ ገሊፁ።

ካብዚ ሓሊፉ ዓወት 20 ጉንበት መንፈስ ተዓዋታይነትን ሰዓራይነትን ዝፈጠረ ከምዝኾነ ተጋዳላይ ወልደስላሰ ኣብሪሁ።

ይኹን እምበር እቲ ዓወት ዘላቕነት ከምዘይረኸበ ዝለገፀ ተጋዳላይ ወልደስላሰ፣ ህዝቢ ትግራይ ሓደጋ ፅንተት ከምዝገጠሞ ኣዘኻኺሩ። ነዚ ንምብዳህ ድማ ልዕሊ ወለዱ ዝበለፀ ትውልዲ ተፈጢሩ ልፍንታውያን ወረርቲ ዝሓሰብዎ ከይሰመረሎም ከምዝተረፈ ሓቢሩ።

ደሓር ዉዑል ሰላም ኣብ ዝተኻየደሉ ድማ ፀላእቲ ናብቲ ብ20 ጉንበት ዝተፈጥረ ሕገ መንግስቲ ክምለሱ ከም ዝተገብረ ኣገንዚቡ። ስለዚ እቲ ክብርታት ብጅግንነትን መስዋእቲ ደቂ ህዝብን ዝተረጋገፀ ስለዝኾነ ደቂ ስዋኣት ነዚ ክብርታት ክስንዱዎ ኣተሓሳሲቡ።

እቲ መድረኽ ብማሕበር ደቂ ስውኣት ተጋደልቲ ትግራይን ማሕበር ተጋደልቲ ትግራይን ዝተዳለወ እዩ።

ወይን

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *