ሓፀርቲ ዜናታት ፣
★ ንፅሬትን ሓምለዋይ ልምዓትን ከተማ ዝውዕል ልዕሊ ብር 25 ሚልዮን መዲቡ ይሰርሕ ከምዘሎ ምምሕዳር ከተማ ኣኽሱም ሓቢሩ፡፡
እዚ ዝተገለፀ ኣብ ከተማ ኣኽሱም ኣብ ደንቢ ቁፅሪ 81/2005ዓ/ም ደንቢ ኣተሓሕዛን ኣተኣላልያን ጓሓፍ ፤ኣብ ዝወፀ ሓድሽ መምርሒ ብዛዕባ ሓምለዋይ ልምዓትን ዝተኸልከሉ ተግባራትን ኣድሂቡ ን250 ኣመራርሓ ጣብያታትን ሰራሕተኛታትን ገምጋማዊ ስልጠና ኣብ ዝተውሃበ እዋን ኮይኑ፣ ንፅሬትን ሓምለዋይ ልምዓትን ከተማ ዝውዕል ልዕሊ ብር 25 ሚልዮን መዲቡ ይሰርሕ ከምዘሎ ከንቲባ ከተማ ኣኽሱም ኣይተ ኣበበ ብርሃነ ገሊፆም።
★ ኣብ ከተማ ዓዲ ዳዕሮ ብደብዳባት ነፈርትን ከቢድ ብረትን ዝዓነወ ሙሉእ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ፍረ ሰማዕታት ግዱሳት ተጋሩን ሓደ ገባሪ ሰናይ ትካልን ብዝመደብዎ 2.5 ሚልዮን ብር በጀት ተፀጊኑ ዝሓሸ ግልጋሎት ክህብ ከምዝጀመረ ተሓቢሩ።
እቲ ቤት ትምህርቲ ዝበፅሖ ሃሰያ ከቢድ ብምዃኑ ብሙሉእነት ንምሕዋይ ተወሳኺ ሓገዝ ከምዘድልዮ እውን ተገሊፁ ኣሎ።
★ ምስፍፋሕ ባዛርን ኤግዚብሽንን ብሰንኪ ኵናት ተዳኺሙ ዝፀንሐ ቁጠባ ኣብ ምንቕቓሕ ዝለዓለ ብፅሒት ከምዘለዎ ተገሊፁ።
ብምትሕብባር ምምሕዳር ከተማ ውቕሮን ማሕበር ነጋዶ ደቂ ኣንስትዮ ከተማ ውቕሮን 1ይ ዙር ኤግዚቪሽንን ባዛርን ብዕሊ ተጀሚሩ።
★ ዝስርሑ ዘለው ፕሮጀክትታት ኩለ መዳያዊ ክትትል ክግበረሎም ከምዝግባእ ተሓቢሩ።
እዚ ዝተሓበረ ኣብ ወረዳ ላዕላይ ማይጨው ዝስርሑ ዘለው ፕሮጀክትታት መሰረት ኣብ ዝገበረ ስልጠና ኣመራርሓ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ላዕላይ ማይጨው እዩ።
ኣብቲ ስልጠና መተሓባበሪ ከይዲ ስራሕ ልምዓታዊ ትልሚ እቲ ወረዳ ኣይተ ኣብርሃም ካሕሳይ ከምዝበሉዎ፣ ኣብ ወረዳ ላዕላይ ማይጨው ኣብ 12 ጣብያታት ብፕሮግራም ዋን ዋሽ፣ ብፕሮግራም ምጥንኻር ስርዓተ ምግቢ ኤፍኤስኣርፒ፣ ግሪን ኢትዮዽያን ተወለድትን ፈተውትን ወረዳ ንጥዕና፣ ሕርሻ፣ መንገድን ካልኦትን ግልጋሎት ዝህቡ ህንፀታት ይካየዱ ከምዘለዉ ሓቢሮም።
★ ቐንዲ ሚስጥር ዓወት ዝነበረ ሓድነት ተጋሩ ካብ ግዘ ናብ ግዘ ዝሽርሽሩ ተርእዮታትን ምንቅስቃሳትን ብምውጋድ ሕብረትና ከም መዋፅኦ ፀገማትና ክንጥቀመሉ ይግባእ ተባሂሉ።
ብፍላይ መራኸብቲ ሓፋሽ ሓድነት ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምጥንኻር ልዑል ግደ ኣለወን ዝበሉ እቶም ወገናት ህዝቢ ትግራይ ሓድነቱ ከይሽርሸር ክብርታቱ ክዕቕብ ኣበርቲዐን ክሰርሓ ይግባእ ኢሎም ።
