ብምኽንያት ስላሴ ጥሪ ኣብ ከተማ ሽረእንዳስላሰ 5 ኪሎ ሜትሮ ዝሸፈነ ዓብይ ጉያ ተኻይዱ::
ብኣትሌታት ደቂ ተባዕትዮ ፍቓዱ ኣስፍሃ ቀዳማይ ብምውፃእ እንትዕወት መውጫ ኣዳነን ቢንያም ኣለሙን ድማ ብቕደም ሰዓብ ካልኣይን ሳልሳይን ደረጃ ሒዞም::
ብተመሳሳሊ ብደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ኣትሌታት መርሃዊት መውጫ ፣ሰናይት ገብረመድህንን ፋና ኣፈወርቂን ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ደረጃ ብምሓዝ ተዓዊተን ።
ብውድድር ህፃውንቲ ብስራት ታሪኩ ቀዳማይ ደረጃ እንትሕዝ ኣማኑኤል ሓጎስን ቴድሮስ ይብራህን ድማ ካልኣይን ሳልሳይን ደረጃ ሒዞም። ብደቂ ኣንስትዮ ህፃናት እየሩሳሌም ድራር ፣ኢለኒ ኣስፋውን ሕሊና በሪሁን ብቕደም ሰዓብ ተዓዊተን::
ብዓበይቲ ብደቂ ተባዕትዮ ኣይተ ተኽላይ ፍስሃ ሜዳልያ ወርቂ እንትሽለሙ ብደቂ ኣንስትዮ ድማ ወ/ሮ መድህን ሓየሎም ተዓዊተን::
ኣብቲ መበገሲኡን መዛዘሚኡን ኣደባባይ ሜጀር ጀኔራል ሓየሎም ኣርኣያ ዝገበረ ዓብይ ጉያ ብርክት ዝበሉ ነበርትን ኣትሌታትን ተሳቲፎም እዮም::
